ኣብ ጀርመን ጽቡቕ ናብራ ከትሕልፉ እንተደሊኹም ናይ ግድን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ኣለኩም። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን በዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። በቶም ኣብ ትርፍ ጊዚኦም ይኹን ብምሉእ ጊዚኦም ቋንቋ ዝምህሩ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለኩም። እዚ ዓይነት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብሓደ ሓደ ግብረሰናይ ውልቀ ሰባት ካብ ጎረቤት ብናጻ ዝገብርዎ ናይ ቋንቋ ምምሃር ሓገዝ ከኸውን ከሎ ከምኡ'ውን ቀዋሚ ዝኾነ መሰረታዊ ናይ ቋንቁ ትምህርቲ ኮርስ ዝወሃብ ካልእ እውን ዕላዊ ዝኾነ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኮርስ ምስ ናይ መጻኢ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ኣሎ።
ናይ መጀመርያ መሔበሪ ክኸውን ተባሂሉ ዝወሃብ ኮርስ
ኣብ ሽለስቢግ-ሆልሽታይን ናይ መጀመርያ መሓበሪ ኮርስ ቐረባት ኣሎ። ኣብዚ ኮርስ („Starter-Paket für Flüchtlinge in Schleswig-Holstein- kurz: STAFF SH“) እዚ ብመሰረቱ ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ኩሎም ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ንኽመሃሩ መሰል ኣለዎም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እቶም ተምሃሮ እቲ ንመዘራረቢ ዝሕግዝ መባእታዊ ዝኾነ ናይ ቋኑቋ ጀርመን ትምህርቲ ይመሃሩ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ዘሎ ናይ ናብራ ዅነትትን ናይቲ ሕብረተሰብ ጠባይን ይመሃሩ፡ ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ናይ ሓበሬታን ናይ ኣገልግሎትን ቐረባት ንምፍላጥ ሓበሬታ ይወሃቦም። እዚ ንፈላማ መላለዪ ተባሂሉ ዝወሃብ ኮርስ በቶም ኣብ ኩሉ እቲ ዞባ ነጢፎም ናይ ቋንቋ ኮርስ ቐረባት ዘዳልዉ ትካላት ይዳሎ። ንኣብነት ኣብ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ብናይ ጠቕላሊ ማሕበራት ናይ ፎልክስ-ሆኽ-ሹለ ዝዳሎ ኮይኑ ኣብቲ ዝምልከቶ ቦታታት ዝርከቡ ማሕበራት ብምትሕብባር ይዳሎ። ከም ልሙዲ እዚ ከምዚ ዓይነት ኮርስ ብጠቕላላ 100 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ኣብ 10 ሰሙናት ተኸፋፊሉ ነነፍስ ወከፍ ሰሙን ድማ 10 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ይወሃብ ።
ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ዝወሃብ ስታፍ ኮርስ ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡
Deutschkursfinder
Erstorientierungskurse des BAMF für Asylbewerber mit unklarer Bleibeperspektive
Courses only for women
MiA – Migrantinnen einfach stark im Alltag
ናይ ምውህሃድ ኮርስ
ናይ ምውህሃድ ኮርስ (ኢንተግራስዮን ኮርስ) ክበሃል ከሎ ናይ ቋንቋን ካልእ ተወሳኺ ናይ መነባብሮ ሓበሬታ ትምህርቲ ዘጠቓለለ ኮርስ ክኸውን ከሎ እዚ ኮርስ እዚ ምስወዳእኻ ዝወሃበካ ባጀላ ድማ ብዓለም ለኽኣዊ ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎ ባጀላ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥሙ ኹነታት ከም ምንባር፣ ምስራሕ፣ ናይ ጥዕና ጉዳይ፣ ናይ መዘናጊዒታትን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ናይ ጀርመን ባህልን ፖለቲካን ብዝምልከት ዝወሃቡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ የጠቓልል።
ናይ ምውህሃድ ኮርስ (ኢንተግራስዮን ኮርስ) ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተዳልዩ ኣሎ። ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዚ ዓይነት ኮርስ ናይ ምክፋል ዘለዎ መሰል ወይ ንኽካፈል ዝግደደሉ ኣገባብ ከከም ኩነታቱ ካበየናይ ሃገር ዝመጸ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ እቲ ዘለዎ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዓይነት ተራኢዩ ከምኡ’ውን እቲ ናቱ ናይ ቋንቋ ጀርመን ዘለዎ ዓቕሚ ስጋብ ክንደይ ምዃኑ ምርኩስ ብምግባር ኢዩ ዝውሰን። ሰፊሕ ሃበሬታ ብዛዕባ እቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ኮርስን ትሕዝቶኡን፣ መን ክካፈል ከምዝኽእል ወይ መን ንኽካፈል ግዴታ ከምዘለዎ፣ ከምኡ’ውን መሰልን ግዴታን ናይቶም ተኻፈልቲ ዝኾኑን ብተወሳኺ’ውን እተን ከምዚ ዓይነት ናይ ኮርስ ቐረባት ዘዳልዋ ትካላት ንምፍላጥ ናይ ስደተኛታት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስ ኣምት (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge) ዘድሊ ሓበሬታ ይህብ።
Informationen zum Integrationskurs
Schnellsuche über das BAMF-Navi
ምስ ሞያ ዝተኣሳሰር ናይ ቋንቋ ትምህርቲ
ብዛዕቢ እቲ ብሃገር ደረጃ ዝዳሎ ምስ ሞያ ዝተኣሳሰረ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዘሎ ቐረባት ንምፍላጥ ይኹነ ኣብኡ ንምክፋል ክማላእ ዘለዎ ቅጥዕታት ንምፍላጥ ዘድሊ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽቡ ትኽእሉ:
Berufsbezogene Deutschkurse
Berufsbezogene Sprachkurse finden
ናይ ቛንቛ ልምምድ ኣለ ኣን ቦርድ (Sprachtraining Alle an Bord!) – ) – እንታይ እዩ – ስለምንታይ እዚ ልምምድ ንገብር ፧
ናይ ቛንቛ ልምምድ ኣለ ኣን ቦርድ (Sprachtraining Alle an Bord!) – ) – እንታይ እዩ – ስለምንታይ እዚ ልምምድ ንገብር ፧
ተወሳኺ ቐረባት
ናይ መምሃሪ ምንጪ ኣብ ኢንተርነት
ኣብቲ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ናይ ጀርመን ፎልክስሆኽሹለ ማሕበር መምሃሪ ምንጪ፣ ብደረጃ ናይ ምውህሃድ ኮርስ መልክዕ (A1 – B1) ዝኾነ ካብ ኢንተርነት ቋንቋ ጀርመን ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ’ውን እዚ ናይ መምሃሪ ምንጪ ብርክት ዝበለ ናይ ጀርመን ፊደላት ንመምሃሪ ዘገልግል ጽሑፋትን ሓበሬታታትን ተዳልዩ ኣሎ።
እቲ ብናጻ ክትጥቀምሉ እትኽእሉ ናይ መምሃሪ ምንጪ ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ድማ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
Ich will Deutsch lernen: Zum Lernportal der VHS
ብዛዕባ እቲ ደረጃ ናይ ቋንቋ ንምፍላጥ ዘድሊ ሓበሬታ ብናይ ሓባር ናይ ኣውሮጳ ኣገባብ ዝወጸ ሓበሬታ ብናይትኩም ቋንቋ ተጻሒፉ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ:
Gemeinsamer Europäischer Referenzrahmen
ተወሳኺ ቐረባት
ኣብዚ ዝስዕብ ካብቶም ብነጻ ዝወሃቡ ቐረባት ኣኪብና ቀሪብናልኩም ኣሎና። እንተኾነ ግን እዚ ኣብ መርበብና ተዳልዮም ዘለዉ ነቲ ብሞያውያን ወይ ብስነ-ምምህርና ዝወሃብ ገምጋም ዝትክእ ኣይኮነን።
ቋንቋ ጀርመን ብናጻ ክትመሃረሉ ዘኽእል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም (ኣፕስ Apps)
እዚ ፕሮግራማት እዚ ናይ ጀርመን ቋንቋ ንኽትመሃሩ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ነዚ ናይ ኣፕስ ፕሮግራም ሓገዝ ጥራሕ ተኣማሚንኩም ክትመሃሩ የብልኩምን። እዚ ነቲ መደበኛ ናይ ቋንቋ ትምህርቲን ነቲ መዓልታዊ ብኣካል ዝግበር ናይ ቋንቋ ልምምድ ክትከኦ ኣይክእልን ኢዩ።
ብዛዕባ እቲ ኣንኮመን-ኣፕ (Ankommen-App) ዝበሃለ
እዚ ፕሮግራም ብጣዕሚ ጽቡቕ ዝኾነ ኣፕ (App) ኮይኑ ብዛዕባ ናይቲ መጀመርያ እትገብርዎ ስጉምቲ ሓበሬታ፣ ብዛዕባ ባህሊን ህዝቢ ጀርመንን ዝምልከት ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብ ዝገልጽ፣ ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ብዝምልከት ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብተወሳኺ’ውን እቲ መባእታዊ ዝኾነ ናይ ቛንቋ ጀርመን ትምህርቲ ማለት እቲ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ መጀመርያ ቃላትን ዓረፍተ ነገርን ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም።
Ankommen - Ein Wegbegleiter für Ihre ersten Wochen in Deutschland
„ኣነ ቋንቋ ጀርመን ክመሃር እደሊ“
ኣብዚ ናይ ኢንተርነት መርበብ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ካብ A1 – B1 ዘሎ ደረጃ ከምኡ’ውን ደረጃ A1 ኮይኑ ተወሳኺ ብርክት ዝበለ ፊደላት ናይ ጀርመን ከም ካልኣይ ቋንቋ ንምምሃር ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ጽሑፋትን ሓበሬታን ተዳልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ስራሕን ኣብ ናይ ሞያ ስራሕ ዘድሊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ጀርመን ንኸተማሓይሽ ዝሕግዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ኣብዚ ናይ ኢንተርነት መርበብ እዚ ነቶም ብናቶም ተበግሶ ባዕሎም ነብሶም ኪኢሎም ኽመሃሩ ንዝደልዩን ከምኡ’ውን ነቶም ናይ ምውህሃድን ካልእ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ኮርስ ዝወስዱ ክሕግዝ ዝኽእል ብዙሕ ጽሑፋትን ሓበሬታታን ክትረኽቡ ትኽእሉ።
Ich will Deutsch lernen: Zum Lernportal der VHS
„ናይ ቃላት ከተማ“
ብጸወታ መልክዕ ጌርካ ቋንቋ ጀርመን ምምሃር።
Stadt der Wörter
ማህደረ-ቃላት መምሃሪ
ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘይተምሃሩ ሓደሽቲ ተምሃሮ መምሃሪ ቃላት ዝኸውን ኣፕ (Vokabeltrainer-App)።
Vokabeltrainer
25 ቪድዮታት ምስ 100 ኣገደስቲ ዓረፍተ ነገራት
እዚ „Learn German for Refugees“ ዝተባህለ ኣፕ ካብ መርበብ papagei.com 25 ነንሕድሕዱ ርክባት ዘለዎ ቪድዮታት (interaktive Videos) ምስ 100 ኣገደስቲ ዓረፍተ ነገራትን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰሙን ነቲ ናትኩም ናይ ቃላት ፍልጠት ከማዕብሎን ናትኩም ናይ ኣዳማምጻ ክእለት ድማ ከማሓይሾ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣፕ ናይ papagei.com ንናይ iOS ከምኡ’ውን Android ፕሮግራም ዝሰማማዕ ከተውርዱ (ዳውንሎድ) ክተገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።