ብዛዕባ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም
ናብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። መጀመርያ ኣብቲ ናይ ፈለማ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ቦታ ኣቲኹም ኣለኹም። ኣብዚ እቶም ዝተሓባበሩ ሰባት ክሕግዝኹም ኢዮም። ኣብዚ ዘድሊ ምንባይ ይግበረልኩም ከምኡ'ውን ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ተቕርቡ ብተወሳኺ'ውን እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ መጀመርያ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ትመሃሩ። ኣብዚ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ቦታ ንዝተወሰነ ጊዜ ትነብሩን ትምገቡን። ኣብኡ ድማ ናይ ሓኪም ዶክተር ኣሎ። ኣብኡ ተመዝጊብኩም ድሕሪኡ ናብ ካልእ ከተማ ወይ ዓዲ ተመዲብኩም ቦታኹም ትሕዙ።.
ሽለስቪክ-ሆልሽታይን – መሬት፣ ሕዝብን ልምድን
ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን መጺእኩም ኣለኹም። እዚ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ጀርመን ዝርከብ ከምኡ'ውን ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ መንጎ ክልተ ባሕርታት፣ ሰሜናዊን ምስራቓውን ባሕሪ ዝርከብ ጠቕላይ ግዝኣት ኢዩ። ብሰሜን ወገን ድማ ምስ ዴንማርክ ይዳወብ። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ስባት ዝተፈላለይ ብሄር ዘለዎምን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹን ብሓባር ይነብሩ። እዞም ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ግልጺ ኮይኖም ምስ ሰብ ዝቐርቡ፣ የዋሃትን ተጻወርትን ኢዩም። ስለዝኾኑ ድማ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ይብልኹም።
ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ስፍሓቱ 15 800 ትርቢዒት ኪሎሜትር ክኸውን ከሎ ኣስታት 2.8 ሚልዮን ዝኸውን ተቐማጦ ድማ ኣለዉዋ። እታ ዝዓበየት ከተማ፣ እታ ናዝቲ ጠቕላይ ግዝኣት ዋና ከተማ ኪይል ኢያ። ምስ ካልኦት ከወዳደር ከሎ ብዙሕ ዓበይቲ ከተማታት ኣይሃልዋ ድኣምበር ብዙሓት ናኣሽቱ ዓድታት ኣለዋኣ። ናይ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ሚኒስተር ፕረዚደንት ቶርስተን ኣልቢግ ኢዩ።
ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ዝነብሩ ሰባት መብዝሕትኦም ኣብዘን ዝስዕባ ዓይነት ስራሓት ተዋፊሮም ይሰርሑ: ኣብ ናይ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ናይ ማሪን ቴክኒክ፣ ቱሪዝም፣ ኣብ ተሓዳሲ ጽዓትን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ መድሃኒት ቴክኒክ ተዋፊሮም ይሰርሑ።
መን ኢዩ ስደተኛ ?
ስደተኛታት ክንብል ከለና ናባና ተሰዲዶም ዝመጹ ሰባት እሞ ኣብዚ መጺኦም ድማ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ኢዮም። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድማ ንብለኩም።
ብመሰረት ዓነቀጽ 1 ናይ ጀነቫ ናይ ስደተናታት ውዕልን ከምኡ'ውን ብ ዓንቀጽ 3 ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ዝገልጽ መጽሓፍ ሕጊ (AsylG) መሰረት ስድተኛ ዝበሃል ካብ ሃገሩ ብምኽንያት ናቱ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ዜግነትን፣ ዘለዎ ፖሌቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣብ ናይ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጉጅለ ኣባል ብምዃን ግፍዒ ንኽወርዶ ዝስግኦ እንድሕር ኮይኑ ከምኡ'ውን ብናቱ ሃገር ምክልኻል ክግበረሉ ዘይከኣል ኮይኑ ወይ በዚ ዘለዎ ስግኣት ምኽንያት ኣብ ሃገሩ ምክልኻል ንኽግበረሉ ትጽቢት ክገብር ዘይደሊ ኮይኑ ኢዩ።
ምስዚ ብምዝማድ ናይ ስደተኛ ትርጉሙ ከም ናይ ልምዲ ኣዘራርባ ተወሲዱ ስፍሕ ዝበለ ትርኡም ክህልዎ ይኽእል። እዚ ክባሃል ከሎ ድማ እቶም ኣብ ሃገረ ጀርመን ንግዚኡ ጥራሕ ንኽጸንሑ ተፈቒድሎም ዘለዉ ሰባት ማለት ዑቕባ ዘይሓተቱ ወይ ዑቕባ ሓቲቶም ዝተነጸጉ ሰባት የጠቓልል።
ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብ ብኸመይ ይትግበር?
ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝኣተኹምሉ ግዜ ኣብ ሃገርኩም ከለኹም ብመንግስትኹም ዝወረደኩም መግፋዕትን ዘጋጠመጉም መከራን ከምዘሎ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብዚ ሃገር ዑቕባ ክትሓቱ ድልየት ከምዘለኩም እንድሕር ገሊጽኩም ኮይንኩም ከም ኣሳይለም ወይ ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ (Asylbegehren) ትፍለጡ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚሩ ድማ ግዝያዊ ዑቕባ ይግበእረልኩም እሞ ንግዚኡ ዑቕባ ሓቲትኩም ከምዘለኹም ዘረጋግጽ ጽሑፍ ይወሃበኩም። እዚ ምስተዋህበኩም ናብቲ ዝተመደበልኩም ናይ ስደተኛታት ናይ መጀመርያ መቐብሊ ቦታ ንኽትጸንሑ ይፍቀደልኩም። ኣብቲ መቀበሊ ቦታ ድማ ሽምኩምን መንነትኩምን ይምዝገብ እሞ ናይ ኣዳብዕቲ ኣሰር ቅድሚ ሕጂ ዘይተወሰደኩም እንድሕር ኮይኑ ድማ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሻራ ትገብሩ። ብተወሳኺ’ውን ናይ ሕክምና ምርመራ ትገብሩ። ኣብቲ ናይ መጽንሒ ቦታ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሑ ከምዝኾንኩም ክፍለጥ ዝከኣል ከከም ኩነታቱ ንስኹም ካበየናይ ሃገር ዝመጻኹም ከምዝኾንኩም ተፈሊጡ ይውሰን።
ኣብቲ ናይ መጽንሒ ቦታ ከለኹም እቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ መሕተቲኹም ምኽንያት ንምግላጽ ምልክታኹም ኣብቲ ዝምልከቶ ናይ ስደተኛታት መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት -ቡንደስኣምት- (Bundesamtes für Migration und Flüchtlinge (BAMF) ብዕላዊ ኣገባብ ይቐርብ እሞ ናይ ዑቕባ መሕተቲኹም ምኽንያት ብዝርዝር ንኽትገልጹ ድማ ቃለ መጠይቕ ትገብሩ። ድሕሪኡ ናብ ዝተፈላለየ ዞባታትን ናብ ውሽጢ ከተማታትን ተመዲብኩም ናይ መንበሪ ቦታን ካልእ ሓገዛትን ይግበረልኩም። እንተኾነ ግን ከከም ዅነታት ናይቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ቦታ ተራኢዩ እቲ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታኹም ድሕሪ ናብቲ ናብ ካልእ ዝተመደብክሙሉ ቦታታት ወይ ውሽጢ ከተማታት ምስከድኩም ንኸተቕርቡ ክግበር ይኽእል ኢዩ። እንተድኣ እቲ ዝመጻእኽሙሉ መበቆል ሃገርኩም ካብተን ድሕነት ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ዝፍለጣ ኮይና ግን ኣብቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ዝካየደሉ ግዜ ብሙሉኡ ኣብቲ ናይ ግዜያዊ መቐበልን መጽንሒን ቦታ ንኽትጸንሑ ይግበር።
ኣብቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ እንዳተኻየደ ከሎ በቲ ካባኹም ዝተወስደ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር መሰረት ምርመራ ተገይሩ ድሕሪኡ ኣየነይቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣባል ሃገር ነቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳይ ( Dublin III-VO) ዝምልከታ ከምዝኾነ ይረጋገጽ። እንተድኣ ብኸምዚ ኣገባብ ነቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳይ ዝምልከታ ሃገር ጀርመን ዘይኮነት ኮይና በቲ ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስ ኣምት (BAMF) ናብታ ዝምልከታ ኣባል ሃገር ንኸምትምለሱ ይገብር።
እንተድኣ እቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት ምልክታኹም ኣብ ጀርመን ክካየድ ኮይኑ ግን ቡንደስ ኣምት (BAMF) በቲ ንዓኹም ዝመልከትኩሞ ናይ ዑቕባ መሰል ውሳኔ ይገብር። እንተድኣ እቲ ዝተገብረ ውሳኔ ኣወንታዊ ኮይኑ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ናይ ተቐባልነት ደረጃ ዘለዎ ውሳኔ ክግበር ይኽኣል። ኣብቲ ዝግበር ውሳኔ ድማ ሓደ ወይ ዝተፈላለየ ናይ ተቐባልነት ደረጃ ዝሓዘለ ውሳኔ ብሓንሳብ ክግበር ይከእል። እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ዑቕባ መቐበሊ ቕጥዕታት ወይ ደረጃታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም:
- ናይ ዑቕባ ተቐባልነት (ብመሰረት ዓንቐጽ 16 ናይ ጀርመን ቅዋም (ግሩንድገሰትዝ) መሰረት)
- ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ብመሰረት ናይ ጀነቫ ናይ ስደተኛታት ውዕል መሰረት
- ፍሉይ ተቐባልነት (Subsidiärer Schutz) ስደተኛታት ብመሰረት ናይ ኣውሮጳ ናይ ሓባር ኣሳይለም መደብ
- ብናይ ጀርመን ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕጊ (Aufenthaltsgesetz) መሰረት ናብ ሃገርካ ንኸይትስጐግ ዑቕባ ንኽወሃበካ ይግበር
ከከም ናይ ምቕባል ደረጃኹም መጀመርያ ንዝተወሰነ ጊዜ ዝኸውን ዝተፈለለየ መሰላት ዘለዎ ናይ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበኩም። ከም ልሙድ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ (ከከም ናይ ምቕባል ደረጃኹም ዝተፈላለየ) ንኹልጊዜ ዝኸውን ናይ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበኩም። እንተድኣ እቲ ዝተገብረ ውሳኔ ኣሉታዊ ውሳኔ ኮይኑ እሞ መንጸግቲ ምስዝወሃበኩም በቲ ዝምልከቶ ናይ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት -ቡንደስኣምት-(BAMF) ካብዚ ሃገር ክትስጎጉ ከምዝኾንኩም ብምምልካት ካብ ሃገረ ጀርመን ንኽትወጹ ዝብል ትእዛዝ ይወሃበኩም። ኣንጻር እዚ ናይ ቡንደስ ኣምት (BAMF) ውሳኔ ይግባይ ኢልኩም ኣቤቱታ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናትኩም ናይ ውልቂ ኹነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዝበለጽ እንታይ ክትገብሩ ከምዝግባኣኩም ንምፍላጥ ምስ ሓደ ናይ ሕጊ ኪኢላ ጠበቓ ወይ እንተወሓደ ምስ ካልእ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ሓገዝ ዝገብሩ ሰባት ኮይንኩም ክትማኸሩን ክትዛራረቡን ኣለኩም።
ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?
ኣብ ጀርመን ጽቡቕ ናብራ ከትሕልፉ እንተደሊኹም ናይ ግድን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ኣለኩም። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን በዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። በቶም ኣብ ትርፍ ጊዚኦም ይኹን ብምሉእ ጊዚኦም ቋንቋ ዝምህሩ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለኩም።
ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?