Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

list

መጀመርያ እትገብርዎ ስጉምቲ

ብዛዕባ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም

ናብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። መጀመርያ ኣብቲ ናይ ፈለማ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ቦታ ኣቲኹም ኣለኹም። ኣብዚ እቶም ዝተሓባበሩ ሰባት ክሕግዝኹም ኢዮም። ኣብዚ ዘድሊ ምንባይ ይግበረልኩም ከምኡ'ውን ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ተቕርቡ ብተወሳኺ'ውን እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ መጀመርያ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ትመሃሩ። ኣብዚ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ቦታ ንዝተወሰነ ጊዜ ትነብሩን ትምገቡን። ኣብኡ ድማ ናይ ሓኪም ዶክተር ኣሎ። ኣብኡ ተመዝጊብኩም ድሕሪኡ ናብ ካልእ ከተማ ወይ ዓዲ ተመዲብኩም ቦታኹም ትሕዙ።.

ሽለስቪክ-ሆልሽታይን – መሬት፣ ሕዝብን ልምድን

ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን መጺእኩም ኣለኹም። እዚ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ጀርመን ዝርከብ ከምኡ'ውን ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ መንጎ ክልተ ባሕርታት፣ ሰሜናዊን ምስራቓውን ባሕሪ ዝርከብ ጠቕላይ ግዝኣት ኢዩ። ብሰሜን ወገን ድማ ምስ ዴንማርክ ይዳወብ። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ስባት ዝተፈላለይ ብሄር ዘለዎምን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹን ብሓባር ይነብሩ። እዞም ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ግልጺ ኮይኖም ምስ ሰብ ዝቐርቡ፣ የዋሃትን ተጻወርትን ኢዩም። ስለዝኾኑ ድማ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ይብልኹም።

ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ስፍሓቱ 15 800 ትርቢዒት ኪሎሜትር ክኸውን ከሎ ኣስታት 2.8 ሚልዮን ዝኸውን ተቐማጦ ድማ ኣለዉዋ። እታ ዝዓበየት ከተማ፣ እታ ናዝቲ ጠቕላይ ግዝኣት ዋና ከተማ ኪይል ኢያ። ምስ ካልኦት ከወዳደር ከሎ ብዙሕ ዓበይቲ ከተማታት ኣይሃልዋ ድኣምበር ብዙሓት ናኣሽቱ ዓድታት ኣለዋኣ። ናይ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ሚኒስተር ፕረዚደንት ቶርስተን ኣልቢግ ኢዩ።

ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ዝነብሩ ሰባት መብዝሕትኦም ኣብዘን ዝስዕባ ዓይነት ስራሓት ተዋፊሮም ይሰርሑ: ኣብ ናይ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ናይ ማሪን ቴክኒክ፣ ቱሪዝም፣ ኣብ ተሓዳሲ ጽዓትን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ መድሃኒት ቴክኒክ ተዋፊሮም ይሰርሑ።

መን ኢዩ ስደተኛ ?

ስደተኛታት ክንብል ከለና ናባና ተሰዲዶም ዝመጹ ሰባት እሞ ኣብዚ መጺኦም ድማ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ኢዮም። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድማ ንብለኩም።

ብመሰረት ዓነቀጽ 1 ናይ ጀነቫ ናይ ስደተናታት ውዕልን ከምኡ'ውን ብ ዓንቀጽ 3 ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ዝገልጽ መጽሓፍ ሕጊ (AsylG) መሰረት ስድተኛ ዝበሃል ካብ ሃገሩ ብምኽንያት ናቱ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ዜግነትን፣ ዘለዎ ፖሌቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣብ ናይ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጉጅለ ኣባል ብምዃን ግፍዒ ንኽወርዶ ዝስግኦ እንድሕር ኮይኑ ከምኡ'ውን ብናቱ ሃገር ምክልኻል ክግበረሉ ዘይከኣል ኮይኑ ወይ በዚ ዘለዎ ስግኣት ምኽንያት ኣብ ሃገሩ ምክልኻል ንኽግበረሉ ትጽቢት ክገብር ዘይደሊ ኮይኑ ኢዩ።

ምስዚ ብምዝማድ ናይ ስደተኛ ትርጉሙ ከም ናይ ልምዲ ኣዘራርባ ተወሲዱ ስፍሕ ዝበለ ትርኡም ክህልዎ ይኽእል። እዚ ክባሃል ከሎ ድማ እቶም ኣብ ሃገረ ጀርመን ንግዚኡ ጥራሕ ንኽጸንሑ ተፈቒድሎም ዘለዉ ሰባት ማለት ዑቕባ ዘይሓተቱ ወይ ዑቕባ ሓቲቶም ዝተነጸጉ ሰባት የጠቓልል።

ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብ ብኸመይ ይትግበር?

ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝኣተኹምሉ ግዜ ኣብ ሃገርኩም ከለኹም ብመንግስትኹም ዝወረደኩም መግፋዕትን ዘጋጠመጉም መከራን ከምዘሎ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብዚ ሃገር ዑቕባ ክትሓቱ ድልየት ከምዘለኩም እንድሕር ገሊጽኩም ኮይንኩም ከም ኣሳይለም ወይ ዑቕባ ዝሓተተ ሰብ (Asylbegehren) ትፍለጡ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚሩ ድማ ግዝያዊ ዑቕባ ይግበእረልኩም እሞ ንግዚኡ ዑቕባ ሓቲትኩም ከምዘለኹም ዘረጋግጽ ጽሑፍ ይወሃበኩም። እዚ ምስተዋህበኩም ናብቲ ዝተመደበልኩም ናይ ስደተኛታት ናይ መጀመርያ መቐብሊ ቦታ ንኽትጸንሑ ይፍቀደልኩም። ኣብቲ መቀበሊ ቦታ ድማ ሽምኩምን መንነትኩምን ይምዝገብ እሞ ናይ ኣዳብዕቲ ኣሰር ቅድሚ ሕጂ ዘይተወሰደኩም እንድሕር ኮይኑ ድማ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሻራ ትገብሩ። ብተወሳኺ’ውን ናይ ሕክምና ምርመራ ትገብሩ። ኣብቲ ናይ መጽንሒ ቦታ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሑ ከምዝኾንኩም ክፍለጥ ዝከኣል ከከም ኩነታቱ ንስኹም ካበየናይ ሃገር ዝመጻኹም ከምዝኾንኩም ተፈሊጡ ይውሰን።

ኣብቲ ናይ መጽንሒ ቦታ ከለኹም እቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ መሕተቲኹም ምኽንያት ንምግላጽ ምልክታኹም ኣብቲ ዝምልከቶ ናይ ስደተኛታት መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት -ቡንደስኣምት- (Bundesamtes für Migration und Flüchtlinge (BAMF) ብዕላዊ ኣገባብ ይቐርብ እሞ ናይ ዑቕባ መሕተቲኹም ምኽንያት ብዝርዝር ንኽትገልጹ ድማ ቃለ መጠይቕ ትገብሩ። ድሕሪኡ ናብ ዝተፈላለየ ዞባታትን ናብ ውሽጢ ከተማታትን ተመዲብኩም ናይ መንበሪ ቦታን ካልእ ሓገዛትን ይግበረልኩም። እንተኾነ ግን ከከም ዅነታት ናይቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ቦታ ተራኢዩ እቲ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታኹም ድሕሪ ናብቲ ናብ ካልእ ዝተመደብክሙሉ ቦታታት ወይ ውሽጢ ከተማታት ምስከድኩም ንኸተቕርቡ ክግበር ይኽእል ኢዩ። እንተድኣ እቲ ዝመጻእኽሙሉ መበቆል ሃገርኩም ካብተን ድሕነት ዘለወን ሃገራት ተባሂለን ዝፍለጣ ኮይና ግን ኣብቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ዝካየደሉ ግዜ ብሙሉኡ ኣብቲ ናይ ግዜያዊ መቐበልን መጽንሒን ቦታ ንኽትጸንሑ ይግበር።

ኣብቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ እንዳተኻየደ ከሎ በቲ ካባኹም ዝተወስደ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር መሰረት ምርመራ ተገይሩ ድሕሪኡ ኣየነይቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣባል ሃገር ነቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳይ ( Dublin III-VO) ዝምልከታ ከምዝኾነ ይረጋገጽ። እንተድኣ ብኸምዚ ኣገባብ ነቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት ጉዳይ ዝምልከታ ሃገር ጀርመን ዘይኮነት ኮይና በቲ ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስ ኣምት (BAMF) ናብታ ዝምልከታ ኣባል ሃገር ንኸምትምለሱ ይገብር።

እንተድኣ እቲ ናትኩም ናይ ዑቕባ ምሕታት ምልክታኹም ኣብ ጀርመን ክካየድ ኮይኑ ግን ቡንደስ ኣምት (BAMF) በቲ ንዓኹም ዝመልከትኩሞ ናይ ዑቕባ መሰል ውሳኔ ይገብር። እንተድኣ እቲ ዝተገብረ ውሳኔ ኣወንታዊ ኮይኑ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ናይ ተቐባልነት ደረጃ ዘለዎ ውሳኔ ክግበር ይኽኣል። ኣብቲ ዝግበር ውሳኔ ድማ ሓደ ወይ ዝተፈላለየ ናይ ተቐባልነት ደረጃ ዝሓዘለ ውሳኔ ብሓንሳብ ክግበር ይከእል። እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ዑቕባ መቐበሊ ቕጥዕታት ወይ ደረጃታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም:

  • ናይ ዑቕባ ተቐባልነት (ብመሰረት ዓንቐጽ 16 ናይ ጀርመን ቅዋም (ግሩንድገሰትዝ) መሰረት)
  • ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ብመሰረት ናይ ጀነቫ ናይ ስደተኛታት ውዕል መሰረት
  • ፍሉይ ተቐባልነት (Subsidiärer Schutz) ስደተኛታት ብመሰረት ናይ ኣውሮጳ ናይ ሓባር ኣሳይለም መደብ
  • ብናይ ጀርመን ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕጊ (Aufenthaltsgesetz) መሰረት ናብ ሃገርካ ንኸይትስጐግ ዑቕባ ንኽወሃበካ ይግበር

ከከም ናይ ምቕባል ደረጃኹም መጀመርያ ንዝተወሰነ ጊዜ ዝኸውን ዝተፈለለየ መሰላት ዘለዎ ናይ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበኩም። ከም ልሙድ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ (ከከም ናይ ምቕባል ደረጃኹም ዝተፈላለየ) ንኹልጊዜ ዝኸውን ናይ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበኩም። እንተድኣ እቲ ዝተገብረ ውሳኔ ኣሉታዊ ውሳኔ ኮይኑ እሞ መንጸግቲ ምስዝወሃበኩም በቲ ዝምልከቶ ናይ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት -ቡንደስኣምት-(BAMF) ካብዚ ሃገር ክትስጎጉ ከምዝኾንኩም ብምምልካት ካብ ሃገረ ጀርመን ንኽትወጹ ዝብል ትእዛዝ ይወሃበኩም። ኣንጻር እዚ ናይ ቡንደስ ኣምት (BAMF) ውሳኔ ይግባይ ኢልኩም ኣቤቱታ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናትኩም ናይ ውልቂ ኹነታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዝበለጽ እንታይ ክትገብሩ ከምዝግባኣኩም ንምፍላጥ ምስ ሓደ ናይ ሕጊ ኪኢላ ጠበቓ ወይ እንተወሓደ ምስ ካልእ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ሓገዝ ዝገብሩ ሰባት ኮይንኩም ክትማኸሩን ክትዛራረቡን ኣለኩም።

ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?

ኣብ ጀርመን ጽቡቕ ናብራ ከትሕልፉ እንተደሊኹም ናይ ግድን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ኣለኩም። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን በዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። በቶም ኣብ ትርፍ ጊዚኦም ይኹን ብምሉእ ጊዚኦም ቋንቋ ዝምህሩ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለኩም።

ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?

ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?

ኣብ ጀርመን ጽቡቕ ናብራ ከትሕልፉ እንተደሊኹም ናይ ግድን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ኣለኩም። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን በዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። በቶም ኣብ ትርፍ ጊዚኦም ይኹን ብምሉእ ጊዚኦም ቋንቋ ዝምህሩ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለኩም።

ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?

ኣብ ጀርመን ብኸምይ ንነብር?

ኣብ ሃገርና እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሕጊ ቕዋም ኢዩ። እዚ ቕዋም እዚ ኣብ ጀርመን “ግሩንድገሰትዝ” ብዝብል ሽም ይፍለጥ። እዚ ቕዋም እዚ ብሓንሳብ ክንነብረሉ ዘኽእል ኣገባብ ዝሓዘለ ኩለን ናይ ሃይማኖት ማሕበራት ዝኽተልኦ

ኣገዳሲን መሰረታውን ሕጊ ኢዩ:

  • ንሕና ዲሞክራሲ ዘለዎ ናብራ ንነብር።
  • ኩሎም ናይ ጀር መን ዜጋታት ኣብዛ ሃገር መን ከምርሕ ከምዘለዎ ብሓባር ኮይኖም ይውስኑ ።

ጀርመን ኣብ ቅዋም ዝተመስረተ መንግስቲ ኣለዋ።

  • መንግስቲ ይኹን ኩሎም ተቐማጦ ዜጋታት ነቲ ሕጊ ከኽብርዎ ግዴታ ኣለዎም።
  • እንተድኣ ሓደ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ገበን ጌሩ እቲ መንግስቲ ነቲ ገበን ዝገበረ ሰብ ብገበኑ ከምዝቕጻዕ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ቅኑዕን ዘይቕኑዕን መሰል ይውስን። ዓመጽ ዘቕጽዕ ተግባር ኢዩ፣ ዋላ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር፣ ስድራቤትን ኣንጻር ቆልዑትን ዝግበር ዓመጽ ዘቕጽዕ ገበን ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ቃል ኪዳን ምእሳር ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል ኣብ ቅድሚ ወኪል መንግስቲ (ሽታንደስኣምት) ምስዝግበር ጥራሕ ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ምስቓይ፣ መግረፍቲ፣ ወይ ናይ ሞት ፍርዲ የለን።
  • ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሎም ሰባት ማዕረ ኢዮም።
  • ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ መሰላት ኣለዎም ከምኡ 'ውን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይኹን ኣብቲ ሕብረተሰብ ማዕረ ዝኾነ መሰላትን ግዴታታትን ኣለዎም።
  • ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ይኹን ነፍስ ወከፍ ሰበይቲ ክንክሰስ ኢና ወይ ክንእሰር ኢና ኢሎም ከይፈርሑ ብግልጺ ርእይቶኦም ኽገልጹ ምሉእ መሰል ኣለዎም። ከምኡ'ውን ንናይ ዜና ማዕከናት ዝግበር ሴንሱር የለን። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣድልዎ ዘለዎ ርእይቶ ክገብር ወይ ናይ ኣድልዎ ጠባይ ከዘውትር መሰል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን፣ ንኣብነት ጾታዊ፣ ብዘርኢ፣ ናይ ወጻእተኛታት ጽልኢ ወይ ኣንጻር ሴማውያን ዝኾነ ርእይቶታት ክግበር ኣይፍቀድን ኢዩ።

ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን

  • ኣብ ጀርመን ንኽልኦት ውልቀ ሰባት ተጻዋርነትን ምርኣይን ኣኽብሮት ምህላውን ዓቢ ተራ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ዓንቀጽ 3 ናይ ጀርመን ቅዋም (ግሩንድገሰትዝት) ከምዝብሎ ዝኾነ ሰብ ብጾታኡ፣ ብብሄሩ፣ ብዓሌቱ፣ ብቛንቁኡ፣ ብመበቆሉ ወይ ብሃገሩ፣ ብእምነቱ፣ ብሃይማኖቱ ወይ ብፖለቲካ ኣረኣእያኡ ክሳራታት ወይ መኽሰባት ክጋጥሞ የብሉን ። ዝኾነ ሰብ ብዘለዎ ስንክልና ምኽንያት ኣድልዎ ክግበረሉ የብሉን ።
  • ንዝኾነ ዜጋ ምሽጋር ወይ ወዲ ተብዓታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲኣንጻር ድልየቱ ክትተናኽፎ ምፍታን ኣብ ጀርመን ሸለል ዝበሃል ነገር ስለዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዅነታት ዘቕጽዕ ገብርን ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ሃይማኖት ናይ ውልቂ ጉዳይ ኢዩ። ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ እቲ ክኣምነሉ ዝደሊ ሃይማኖት ባዕሉ ኢዩ ዝውስን። ናይ ሃይማኖት ጉባኤታት ልዕሊ መንግስቲ ኣይኮኑን። ቤተ ክህነትን ናይ ሃይማኖት ማሕበራትን ዝተፈላለየ ኢዩ።
  • ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ ደስ ዝበሎም ክዳን ክኽደኑ መሰል ኣለዎም። ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ሞያ ስራሕ ዝተወሰነ ናይ ስራሕ ክዳውንቲ ንኽትክደን ግዴታ ኣሎ።
  • ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝኽደንኦ ክዳን ስጋብ ክንደይ ናይ ሰውነተን ኣካል ክሽፍነለን ከምዘለዎ ባዕለን ኢየን ዝውስንኦ።እንተኾነ ግን መብዝሕትኡ ጊዜ በቲ ሕብረተ ሰብ ዝተወስደ ኣገባብ ኣሎ። እዚ ድማ ከከም ኩነታቱ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፋላለ ይኽእል ኢዩ. ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ኣዳድንኣ ዓይነት ብዘየገድስ ማንም ሰብ ክተሓሕዛ ኣይፍቀደሉን ኢዩ።

ማዕርነት

  • ዝኾነ ዕድሚኡ ዝኣኸለ ወዲ ተብዓታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ቃል ኪዳን ክኣስረሉ ዝደሊ ውልቀ ሰብ ባዕሉ ኢዩ ዝውስን። እዚ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ብማንም ሰብ ዘቕጽዕ ጉዳይ ክኸውን የብሉን። ብተወሳኺ’ውን ዝኾነ ውልቀሰብ ካብ ሓዳሩ ንኽፋታሕ ሕጋዊ መሰል ኣለዎ።
  • ሓዳር ምግባር ይኹን ሓዳር ዘይምግባር ከም ልሙድ ዝኾነ ነገር ዝውሰድ ነገር ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ዝኾነ ውልቀ ሰብ እቲ ንሱ ኣብ ፍቕሪ ዘለዎ ኣትኩሮት ምሰየናይ ጾታ ክኸውን ከምዘለዎ ባዕሉ ብናጻ ድልየቱ ይውስን። ኣብ ጀርመን ግብረ-ሰዶማዊ (ወዲ ምስ ወዲ ወይ ጓል ምስ ጓል) ፍቑድ ኢዩ። ናይ ግብረ-ሰዶማዊ ርክብ ዘለዎም ልክዕ ከም ሰብኣይን ሰብይቲን ሓዳር ክገብሩ ፍቑድ ኢዩ።

ብዛዕባ መሰላት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ብቋንቋኹም ኣብዚ ዝስዕብ ከተንብቡ ትኽእሉ:

Nur Mut! Handlungsmöglichkeiten für Frauen in Gewaltbeziehungen (auf deutsch) (PDF, 6MB, Datei ist barrierefrei)

Hilfetelefon - Gewalt gegen Frauen

„Geh deinen Weg! Deine Rechte als Frau in Deutschland“

እቲ ኣገባብ ሕጊ ቕዋም (ግሩንድገሰትዝ) ንምፍላጥ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

Basic Law for the Federal Republic of Germany

Grundrechte (deutsch-arabisch / deutsch-englisch)

ፍሉይ ዝኾነ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት

ኣብ መላእ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ነቶም ፍሉይ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ተባሂሉ ዝተዳለወ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ቤት ጽሕፈታት ኣሎ። ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ተወኪስኩም ናይቶም ዝምልከቶም መዛርብቲ ኣድራሻ ክትረኽቡ ትኽእሉ:

ፍሉይ ዝኾነ ውሕስነት ኣብ ዘድልየሉ ግዜ መን ኢዩ ክሕብር ወይ ክሕግዝ ዝኽእል?

ንኽትፈልጦም ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት:

  • ኣብ ጀርመን ስደተኛ ዝብል ቃል ጽርፊ ኣይኮነን ። ስደተኛ እንብሎም ኩሎም ናባና ተሰዲዶም ዝመጹን ዑቕባ ዝሓቱን ኢዮም። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድማ ንብለኩም!
  • ኣብ ጀርመን ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ። ኣብ ሃገርና ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ኣሎ። ኣብዚ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ 9 ዓመት የጠቓልል።
  • ስላም ኣብ እንባሃለሉ ጊዜ መብዝሕትኡ ጊዜ ኢድ ብምጭባጥ ሰላም ንብል። ምትሕቑቓፍ፣ ኣብ መንኮብካ ምትሕሓዝ ይኹን ካልእ ናይ ሰውነት ምትንኻፍ ዝኣመሰሉ ኣብ መንጎ ቀረባ የዕሩኽ ጥራሕ ኢዩ ዝዝውተር ።
  • ኣብ ጀርመን ገለ ሰባት እንተድኣ ኣዝዮም ዝፋተዉ ወይ ዝፋቐሩ ኮይኖም ኣብ ደገ ሰብ እንዳራኣዮም ነንሕድሕዶም ናይ ፍቕሪ ተርእዮታት ከርእዩ ልሙድ ኢዩ። ንኣብነት ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ምኻድ ወይ እንዳተሰዓዓምካ ምኻድ ወዘተ። ዝኾነ ሰብ ዋላ እኳ ንሱ ኣብ ደገ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከምዚ ዓይነት ናይ ውልቂ ተግባራት ከዘውትር ዘይደሊ ይኹን እምበር ነዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ክቕበሎ ኣለዎ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር፣ ሰብኣይን ሰበይትን ከምኡ 'ውን ኣብ መንጎ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ እንድሕር ዝፋቐሩ ኮይኖም ወይ ኣብ መንጎ ሰበይትን ሰበይትን እንድሕር ነንሕድሕደን ዝፋቐራ ኮይነን ዝረኤ ተርእዮታት ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ቖጸራ ምኽባር ኣገዳሲ ነገር ኢዩ። ቖጸራ ጌርካ ከተብቕዕ ድንጕኻ ንኻልእ ሰብ ከተጸብዮ እንድሕር ኮይንካ ክብረት ናይ ሰብ ከምዘይብልካ ኢዩ ዘርኢ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ደንጕኻ ክትመጽእ እንድሕር ኮይንካ ነቲ ዝጽበየካ ዘሎ ሰብ ቴሌፎን ደዊልካ ክትድንጕይ ከምዝኾንካ ክትሕብሮ ይግባኣካ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ይኹነ ብዕርክነት ዝግበር ቖጸራ ክትግበር ዘለዎ ኢዩ።
  • ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ዝኾኑ (Beamte und Angestellte des öffentlichen Dienstes) ዝኾነ ዓይነት ህያብ ክቕበሉ ኣይፍቀዶምን ኢዩ። ዋላ እኳ ብዙሕ ምስጋና ዘድልዮ ነገር እንተገበሩ የቐንየለይ ኢልካ ብልቢ ምምስጋን ጥራሕ እኹል ኢዩ። ስለዚ ዋላ ናኣሽቱ ህያብ እንተድኣተቐቢሎም ከም ብልሽውና ኢዩ ዝቑጸር።
  • ኣብ ጀርመን መብዝሕትኡ ድንኳናት ካብ ሰዓት 8 ስጋብ ሰዓት 18 ክፉት ኢዩ። ሓደ ሓደ ሱፐር ማርኬታት መብዝሕትኡ ጊዜ ስጋብ ሰዓት 20 ወይ ካብኡ ዝነውሔ ሰዓታት ይኸፍቱ ኢዮም። ብዙሓት ናይ በንዚና መዔደሊ ቦታታት መብዝሕትኡ ጊዜ ለይቲ ክፉት ኢዩ። ሰንበት ከምኡ 'ውን ኣብ ናይ በዓላት ጊዜ ከምቲ ሕጊ ዝብሎን ከም ልሙድን ኩሉ ድንኳናት በጀካ ናይ በንዚና መዔደሊ ዕጽው እዩ ።
  • ኣብ ሓደ ናይ ብሥጋ ደርሆ ዝተሰርሔ ግዕዝም (ቩርስት) ናይ ሓሸማ ስጋ ዝተሓወሶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ንምፍላጥ አብቲ ናይ ነፍስ ወከፍ መሸፈኒ ናይቲ መግቢ ተጻሒፉ ዘሎ ዝርዝር ናይቲ መተሓውስቲ አንቢብካ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።
  • ብባቡር ይኹን ብአውቶቡስ ክትጐዓዙ ምስእትደልዩ አገልግሎቱ ዘይሓለፈ ናይ መጐዓዓዚ ትኬት ሒዝኩም ጥራሕ ኢኹም ክትጐዓዙ ዝፍቀደኩም። እቲ ትኬት ቅድሚ ምብጋስኩም አብቲ እትስቀልሉ ዘሎ ናይ ትኬት መሸጢ ክትገዝኡ አለኩም። ናይ አውቶቡስ ትኬት አቐዲምካ ትኬት ክትገዝአሉ እትኽእል ቦታ ወይ ድማ ብቐጥታ ካብቲ ናይታ አውቶቡስ አውቲስታ ክትገዝኡ ትኽእሉ።
  • ኣብ ጀርመን ሽጋራ ኣብቲ ሽጋራ ከተትክኸሉ እትኽእል ቦታ ጥራሕ ኢዩ ከተትክኽ ዝፍቀድ። ኣብ ቤት መግቢ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ካልኦን ናይ ህዝባውያን ድርጅታትን ሽጋራ ምትካኽ ኩልኩል ኢዩ። ኣብ ናይ መዓርፎ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ድማ ፍሉእ ሽጋራ ከተትክኽ ዝፍቀደሉ ቦታ ተመልኪቱ ኣሎ።

ስራሕ

  • ከም ልሙድ አብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ ንሰርሕ፣ ምብዝሕትኦም ሰባት ቀዳምን ሰንበትን ዕረፍቲ ኣለዎም። ነፍስ ወከፍ ዝሰርሕ ሰብ ምስቲ ስርሑ ዝመጣጠን ደሞዝ ክወሃቦ ኣለዎ፣ ካብቲ ደሞዙ ድማ ዝተወሰነ ገንዘብ ንመንግስቲ ከም ቀረጽ ይኸፍል። ዝኾነ …

ኣብ ጀርመን ብኸምይ ንነብር?

Accommodation

ፍሉይ ዝኾነ ውሕስነት ኣብ ዘድልየሉ ግዜ መን ኢዩ ክሕብር ወይ ክሕግዝ ዝኽእል?

ምንባር

ናይ ሃላቒ ኣቕሑ ዝምልከት ሓበሬታ

ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘድሊ ሓበሬታ

ውዕል፣ ዕዳ ምእታው፣ ካብ ገዛን ናብ ገዛ እንዳኳሕኳሕካ ዝግበር ዕዳጋ

ኣብ ጀርመን ብዙሕ ነገር ሓድሽ ኢዩ፣ ገለ ነገረት ትፈልጦ ይመስልካ እንተኾነ ግን ኣብዚ ዘሎ ናይ ኣስራርሓ ዓይነት ካብቲ ኣብ ዓድኻ ዘሎ ኣስራርሓ ክፋላለ ይኽእል። ናይ ሃላቒ-ኣቑሑ ሓበሬታ ዝህብ ቤት ጽሕፈት (ፈርብራውኸርሰንትራለ) ብዛዕባ ገንዘብ ምትሕልላፍ፣ ኣብ ገዛ ገዛ ክኬድካ ዝግበር ንግዲ፣ ከምኡ‘ውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ዕዳ ከእትዉ ዝኽእሉ ነገራት ከየጋጥም ምኽርን መጠንቐቕታን ይህብ።

Informationen der Verbraucherzentrale (DEUTSCH, ENGLISCH, ARABISCH)

ፍቓድ መምርሒ መኪና ኣብዚ ዓዲ ተቐባልነት ክህልዎ ምግባር

ፍቓድ መምርሒ መኪና ብዝምልከት እንተድኣ እቲ ባቴንቲ ካብ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ኣባላት ሃገራት (EU ) ወይ ኣባል ናይ ኤውሮፓ ቑጠባዊ ዞባ ዘይኮነት ሃገር (ኢስላንድ፣ ሊኽተንሽታይን፣ ኖርወይ) ዝተዋህበ ኮይኑ እሞ እቲ ዝምልከቶ ሰብ ኣብ ጀርመን ወግዓዊ መንበሪኡ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ናይ ግድን ናይ ጀርመን ፍቓድ መምርሒ መኪና ከውጽእ ኣለዎ። ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ክንብል ከለና እቲ ዝምልከቶ ውልቀ ሰብ ንሓጺር ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ንነዊሕ ግዜ ዝቕመጥ ምስዝኸውን ኢዩ። ማለት ኣብ ዓመት እንተወሓደ 185 መዓልትታት ዝቕመጠሉ ምስዝኸውን ክኸውን ይግባእ። እንተኾነ ግን ናይ ጀርመን ፍቓድ መምርሒ ኣብ ጀርመን እትው ምስ በልካ ብቕጽበት ኣይኮነን ዘድሊ፣ በቲ ዘለካ ናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መምርሒ መኪና ኣብ ጀርመን ካብ ዝኣተኻሉ እዋን ኣትሒዝካ ንሹድሽተ ወርሒ ዝኣክል ክትዝውር ትኽእል ኢኻ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መምርሒ መኪና ዕለቱ ዝወደቐ ክኸውን የብሉን።

ካብ ካልእ ሃገር ዝተዋህበ ፍቓድ መምርሒ መኪና እንተኾይኑ እሞ እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ፍቓድ ብቋንቋ ጀርመን ዘይተጻሕፈ እንድሕር ኮይኑ ናብ ቋንቋ ጀርመን ተተርጕሙ እቲ ዝተተርጐመ ጽሑፍ ከም ልሙድ ምሳካ ሒዝካዮ ክትከይድ ኣሎካ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ፍሉይ ዝኾነ ዅነታት ኣሎ። ሓደ ናብ ጀርመን ዝመጸ ስደተኛ ቅድሚ በቲ ሒዝዎ ዝመጸ ፍቓድ መምርሒ መኪና ተጠቒሙ መኪና ቅድሚ ምዝዋሩ ምስቲ ናይ መጐዓዝያ ፍቓድ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ርክብ ጌሩ ክሓትት ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሰፊሕ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ፌደራላዊ ምኒስትሪ መጐዓዝያን ዲጂታል ትሕቲ ቕርጺን ክርከብ ይከኣል።

Gültigkeit ausländischer Fahrerlaubnisse in der Bundesrepublik Deutschland - Bundesverkehrsministerium

ንእሽተይ ናይ ገዛ ስራሕ ወይ ናይ ጃርዲን ስራሕ ሰሪሕካ ናይ ስራሕካ ጻማ ሞቕሽሽ ዝወሃበሉ ኣገባብ

ስደተኛታት ንእሽተይ ናይ ገዛ ስራሕ ወይ ናይ ጃርዲን ስራሕ ብዘይ ሓደ ጸገም ክሰርሑ ዝኽእሉ እቲ ዓይነት ስራሕ ከም መደበኛ ስራሕ ዝቑጸር ምስዘይከውን ጥራሕ ኢዩ። እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕጊ ከምዝገልጾ እዚ ከምዚ ዓይነት ስርሓት ናይ ውልቀ ትካል ይኹን ምስ ሰብ ተቖጺርካ እትሰርሖ ስርሓት የጠቓልል። ብተወሳኺ‘ውን እቲ ንኹሉ ዜጋ ዝምልከቱ ሕግታት (ንኣብነት ከም እቲ ብውሑዱ ንናይ ሓደ ሰዓት ስራሕ ዋጋ ብሕጊ ክኽፈል ዘለዎ ገንዘብ ዝውስን ሕጊ፣ ሕጊ ኣንጻር ጸሊም ስራሕ፣ ቐረጽን ግብርን ናይ ምክፋል ዘሎ ግዴታ ዝውስን ሕጊ). ከይጠሓስኩም ክትሰርሕዎ እትኽእሉ ናይ ስራሕ ዓቐን ብዝተኻእለ መጠን ውሱን ክኸውን ኣለዎ። ምናልባት ሓንሳብ ጥራሕ ናኣሽቱ ስርሓት ምስእትሰርሑ ጸገም ዘምጽእ ጉዳይ ኣይከውንን ።

ናይ ባንክ ሕሳብ ቝጽሪ ምኽፋት

ስደተኛታት እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ባንክ ሕሳብ ቝጽሪ ንኽኸፍቱ መሰል ኣለዎም።

ናይ ዜና ቐረባት

Tagesschau ታገስሻው

ኣብ ምሉእ ጀርመን ከምኡ‘ውን ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ዜና ኣብቲ ደንበ ናይ ዜና ማዕከን ARD ከምኡ‘ውን ኣብ ደንበ ናይ NDR, ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንኣብነት መዓልታዊ ዜና ብቋንቋ እንግሊዝ፣ ዓረብ፣ ከምኡ‘ውን ብኻልእ ቋንቋታት ዝቐርብ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Nachrichten aus der Region

ሓበሬታ ብዛዕባ ጀርመን
Germany Guide
Sendung mit der Maus መደባት ህጻናት
Die Sendung mit der Maus

„መርሓባ“ – ኣብ ጀርመን እግሪ ምትካል

ኣብዚ መደብ እዚ ብዛዕባ መዓልታዊ ናብራ ኣብ ጀርመን ብቋንቋ ዓረብኛ ይግለጽ።

"Marhaba" - Ankommen in Deutschland
ናይ ስደተኛታት ራድዮ
Nachrichten für Flüchtlinge: Refugee Radio

ናይ መደበር ራድዮ ኣገልግሎት ዝኽፈል ግብሪ

እንተድኣ ዝኾነ ዑቕባ ዝሓተተ ውልቀ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ናይ ዑቅባ ዝሓተቱ ሓገዝ ዝዋሃቦ ኮይኑ ካብ ናይ ራድዮ ኣገልግሎት ዝኽፈል ግብሪ ናጻ ኢዩ። ግን እንተድኣ ዑቕባ ዝሓተቱ ካብቲ ግብሪ ዘኽፍል ቤት ጽሕፈት ናይ ራድዮ ኣገልግሎት ግብሪ ክፈል ዝብል ወረቐት ተላኢኽዎም፡ ብቕልጡፍ ዑቕባ ሓቲትኩም ከምዘለኹም ዘረጋግጽ ሰነድ ሊኢኽኩም ሓብርዎም። ብኸምዚ ኣገባብ ጌርኩም መልሲ ምስእትህቡ ጥራሕ ኢዩ እቲ ንኽኸፍል ዝተሓተተ ሰብ ካብ ምኽፋል ናጻ ክኸውን ዝኽእል። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድማ እዚ ዅነታት ነቶም ናይ ስራሕ-ኣልቦነት (Arbeitslosengeld II)፣ ግብረ ሰናይ (Sozialhilfe) ሓገዝ ዝወስዱ ከምኡ’ውን ነቶም በዕድመ ንዝደፍኡ ዝወሃብ ሓገዝ ወይ ንመምሃሪ ዝወሃብ ሓገዝ BAFÖG--BUNDESAUSBILDUNGSFÖRDERUNGSGESETZ. ዝወስዱ እንድሕር ኮይኖም ካብዚ ግብሪ ምኽፋል ናጻ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ ርኽክብ ንምግባር ዝምላእ ፎርም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ rundfunkbeitrag.de ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

Informationsflyer Rundfunkbeitrag in Englisch, Arabisch, Türkisch, Französisch, Spanisch, Russisch

ስፖርት

ስፖርት

ናይ ሕጋዊ መጐተ ጸገማት ምስዝህልወኩም ዝወሃብ ደገፍ

ናይ ሕጋዊ መጐተ ጸገማት ምስዝህልወኩም ዝወሃብ ደገፍ

ኢንሹራንስ (መድሕን)

ስደተኛታት ልክዕ ከም ናይ ጀርመን ዜጋ ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ፈለማ እዋን ብመሰረቱ ኢንሹራንስ የብሎምን። እዚ ዅነታት እዚ ግን ንኣብነት ስራሕ ኣብ እትጅምርሉ እዋን ወይ ባዕልኹም ብውልቂ፣ ብዘይ ሓገዝ ክትናበሩ ኣብ እትጅምርሉ እዋን ይቕየር ኢዩ። ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ዑቕባ ዝሕተቱ ብጀካ ውሑዳት ፍሉይ ዝኾነ ኹነታት ዘጋጥም እንተዘይኮይኑ ኩሎም ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ካርድ ኣለዎም።.

ኣብ ናይ መጐዓዝያ ትራፊክ ብልክዕ ንኽትጐዓዙ እንታይ ምግባር የድልየኩም?

ምጕት ወይ ናይ ሕጊ ጸገማት ምስዝሕልው ዝግበር ሓገዝ

ናይ ሓበሬታ ደገፍ

ስድተኛታት በዚ ዝግበር ናይ ሓበሬታ ደገፍ ኣገባብ ንሓደ ጠበቓ ተወኪሶም ናይ ሓበሬታ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ከምዚ ዝመሰለ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ምሃብ ደገፍ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ዋዕላ ወጻኢ ዝኾነ ማለት ኣብ ከም ናይ ሲቪላዊ ሕጊ፣ ናይ ስራሕ ሕጊ፣ ናይ ምምሕዳር ሕጊ፣ ማሕበራዊን ከምኡ‘ውን ናይ ገበናዊ ሕጊ ብዝምልከት ደገፍ ክግበር ይከኣል ኢዩ። እዚ ንኸምዚ ዓይነት ናይ ሕጊ ሓበሬታ ዝግበር ደገፍ ንምርካብ ዝቐርብ ምልክታ ኣብቲ እትቕመጡሉ ቦታ ዘሎ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ከተመልክቱ ትኽእሉ።

ዝኾነ ውልቀ ሰብ ወካሊ ጠበቃ ወይ ሓበሬታ ዝህቦ ክገብር እንድሕር ደልዩ ናይ ግድን 15 ኦይሮ ይኸፍል እሞ እቲ ካልእ ተወሳኺ ዝኽፈል ዋጋ በቲ ዝምልከቶ ናይ ሓበሬታ ሓገዝ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ይኽፈል። እቲ ሓበሬታ ዝደሊ ሰብ ነቲ ዝኽፈል 15 ኦይሮ ክኸፍል ዘይክእል እንድሕር ኮይኑ እቲ ሓበሬታ ዝህብ ሰብ ነቲ ዝኽፈል 15 ኦይሮ ኣስተያየት ጌሩ ክገድፎ ይኽእል ኢዩ። ከም ልሙድ እቶም ሓበሬታ ዝህቡ ሰባት ካብዚ ናይ 15 ኦይሮ ዋጋ ዝበዝሕ ገንዘብ ከኽፍሉ ኣይግብኦምን ኢዩ።

ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ

እንተድኣ ሓደ ምጕት ብቤት ፍርዲ ክውሰን ዘለዎ ኮይኑ ኣብቲ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ክሲ ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ነቲ ክሲ ንምቕራብ ዝግበር ወጻኢታት ገንዘብ (ምናልባት ብኸፊሉ) በቲ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ሓገዝ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ክኽፈል ይኽእል። እዚ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ነቶም ብዙሕ ደሞዝ ዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ ኣብ ናይ ሲቪላዊ-፣ ምምሕዳር-፣ ናይ ስራሕ ; ናይ ፋይናንስ-፣ ከም‘ኡ‘ውን ናይ ማሕበራዊ ቤት ፍርድታት ጉዳዮም ንኸራኣየሎም ዝደልዩ ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ኢዩ።

እዚ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ነቲ ወጻኢታት ገንዘብ ናይቲ ኣንጻርካ ዝምጕት ዘሎ ሰብ ናይ ምትካእ ጉዳይ ብዝምልከት ጽልዋ የብሉን። እዚ ክበሃል ከሎ ድማ ነቲ ናይ ኣንጻርካ ጠበቃ ዝኽፈል ዋጋ እውን የጠቓልል። ስለዘ ኣብቲ ምጕት ዝተሳ‘ዕረ ውላቀ ሰብ ዋላ እኳ እቲ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ይወሃቦ እምበር ከም ልሙድ ነቲ ወጻኢታት ናይ ኣንጻርካ ዝተማጐተ ክትከፍሎ ኣሎካ። ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ኣብቲ ነቲ ጉዳይ ዘካይዶ ዘሎ ቤት ፍርዲ ከተመልክት ትኽእል። እቲ ቤት ፍርዲ ብናይ ቦታ ይኹነ በቲ ጉዳይ ናይቲ ምጕት እቲ ብሕጊ ነቲ ጕዳይ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ኢዩ።

ህዝባዊ ናይ ሕጊ ምኽሪ

ብተወሳኺ‘ውን ብኻልእ መንገዲ ብነጻ ወይ ከከም ደሞዝካ ተራ‘እዩ ዝኽፈል ዋጋ ጌርካ ዝወሃብ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ደገፍ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ህዝባዊ ዝኾነ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ደገፍ ቐረባት ኣሎ። ዝርዝር ናይ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ንምፍላጥ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ክርከብ ይከኣል።


ከምዚ ዓይነት ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መግለጺ ጽሑፍ (ብሮዡር) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ጥዕና

ንስደተኛታት ዝወሃቦም ናይ ሕክምና ኣገልግሎት

ጥዕና

ዝጠፍኣኩም ቤተሰብኩም ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?

ስድራ ቤተይ ናብ ጀርመን ከምጽኦም ይኽእል ድየ?

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ከም ወለዶም ኮይኖም ክናብዮም ዝኽእሉ ሰባት እንድሕር ዘይብሎም ኮይኑ እቲ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት - ዩገንድኣምት - ሓላፍነት ወሲዱ ይናብዮም። እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ዩገንድኣምት ነቲ ወይ ነታ ቆልዓ ሓላፍነት ወሲዶም ክናብዮም ዝኽእሉ ሰባት ወይ ትካል ወይ ካልእ ዓይነት ናይ መንበሪ ቦታ ዘለዎም ኣናድዩ ንግዚኡ ምስኦም ንኽጸንሑ ይገብር። ኣብዚ ጊዜ ንሱ ናይቶም ቖልዑት ሕጋዊ መሰላቶም ተኸቢሩ እቲ ዘድሊ ቀለብን ሓገዛትን ማለት ከም ሕክምናን ካልእ ውሕስነት ንኽረኽቡ ይገብር። ብተወሳኺ'ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ዩገንድኣምት ነቶም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ብዝቐልጠፈ ጊዜ ኣብ ናይ ስድራ-ቤት ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ ሞግዚት ወይ ተሓባባሪ ከምዝግበረሎም ይገብር።

ከም ተሞክሮ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ጊዜ እቲ ዝምልከቶ ሰብ ብዘይ ጥርጥር ትሕቲ ዕድመ ኢዩ ወይ ልዕሊ ዕድመ ኢዩ ክትብለሉ ዘይትኽእል ኹነታት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኹነታት ሓደ ናይ ሰብ ዕድመ ናይ ምግማት ኪኢላ ዝኾነ ብምውካስ ናይ ዕድመ ግምት ይግበር። እቲ ብኸምዚ ዓይነት ዝግበር ናይ ግምት መስርሕ ስጋብ ውጽኢቱ ዝግለጽ እቲ ዝምልከቶ ውልቀ ሰብ ከም ትሕቲ ዕድመ ከምዝኾነ ተቖጺሩ ይጸንሕ።

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት ዝግበር መስርሕ ንዕኦም ተባሂሉ ዝግበር ፍሉይ ዝኾነ ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣሰራርሓ ኣሎ ዶ?

ነቶም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ተባሂሉ ዝግበር ፍሉይ ዝኾነ ኣስራርሓ ናይ ዑቕባ ምሕታት የለን። ኣብ ከምዚ ኹነታት እውን እንተኾነ እቲ ንስደተኛታት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት - ቡንደስኣምት- (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge (BAMF)) ነቲ ዝቐርብ ምኽንያት ብቕዓቱ መርሚሩ ናይ ዑቕባ መሰል ይግብኦምን ዘይግብኦምን ምዃኑ የጽንዕ። እንተኾነ ግን እቲ ናይ ቡንደስኣምት (BAMF) ቤት ጽሕፈት ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ስደተኛታት ቃለ መጠይቕ ናይ ምግባር ፍሉይ ትምህርቲ ዝወሰዱ ኪኢላታት ኣለውዎ። ንሳቶም ነቲ ናይ ዑቕባ ምልክታ ኣብ ዝውስንሉ ጊዜ እቲ ንትሕቲ ዕድመ ዝምልከት ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዮም ዝውስኑ።

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ክስጎጉ ይኽእሉ ዶ?

መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ነቲ ንሶም ዝሓተትዎ ዑቕባ ተቐባልነት እንድሕር ዘይረኺቡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክዋሃብሉ ዝኽእሉ ቕጥዕታት ከማልኡ ዘይክእሉ እንድሕር ኮይኖም በቲ ዘሎ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝሕግግ መጽሓፍ ሕጊ መሰረት ክስጎጉ ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ግን ብመሰረት ዓንቐጽ 58 እዝባር 1a ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝሕግግ መጽሓፍ ሕጊ (AufenthG) ቅድሚ ምስጓጎም እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብኡ ምስከዱ ክቕበልዎም ዝኽእሉ ናቶም ስድራ ቤት ዝኾኑ ወይ ካልእ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል ሰብ ወይ ተቐቢሎም ከንብርዎም ዝኽእሉ ናይ መንበሪ ቦታ ዘለዎም ትካል ረኺቡ ከረክቦም ኣለዎ። መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ኹነታት ጥራሕ ኢዮም ከም ዝስጐጉ ዝግበር።

ነቶም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናይ ሞግዚነት ሓላፍነት ዝወስድ መን ኢዩ፣ መን ኢዩ ኸ ሞግዚት ናይ ምዃን ውሳኔ ዝገብር?

ቅድሚ እቲ ናይ ስድራ ቤት ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ናይ ሞግዚነት ውሳኔ ምግባሩ መጀመርያ እቲ ናይ ወለዲ ኣብ ውላዶም ዘለዎም ናይ ምንባይ መሰል ደው ክብልን ከይብልን ምዃኑ ይውስን። መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ሞግዚት ዝፍቀዶም እንተድኣ ወለዶም ንኽናብይዎም ዕድል ዘየለ ኾይኑ ወይ ወለዶም እንድሕር ሞይቶም ኮይኖም ወይ እቲ ናይ ወለዶም ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ኹነታት ብሓደ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ዕንቅፋት ደው ምስዝብል ኢዩ። ሓደ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ዕንቕፋት ክንብል ከለና ንኣብነት እቶም ወለዲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብሩ ኮይኖም እሞ ምስ መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ ውላዶም ምንም ርክብ ዘይብሎም እንድሕር ኮይኑ ኢዩ። እንተኾነ ግን እንተድኣ ነቶም ወለዱ ዋላ ኣብ ጽንኩር ኹነታት ብቴሌፎን ወይ ብደብዳቤ ርክባት ክገብር ዝኽእል ኮይኑ እዚ ጉዳይ ከም ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ዕንቅፋት ክቑጸር ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ እቲ ናይ ስድራ-ቤት ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ነቲ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ መንእሰይን ዝህቦ ቃልን ከምኡ'ውን እቲ ናይ መንእሰያት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ዩገንድኣምትን ዝህቦ ቃል ብምስማዕ ነቲ ንዕኡ ክሳማምዖ ይኽእል ኢዩ ዝብሎ ሞግዚት/ ሞግዚ ይእዝዝ። ድሕሪኡ እቲ ዝተመደበ ሞግዚ/ ሞግዚት ነቲ መንእሰይ ሓላፍነት ብምውሳድ ዘድሊ ሓገዛት ይገብረሉን ከም ናቱ ወኪል ኮይኑ ድማ ጉዳዩ የሳልጠሉ።

እቲ ናይ ስድራ ቤት ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ሞግዚት መሪጹ ንኽውስን ክንደይ ጊዜ የድልዮ?

ከም ልሙድ እቲ ናይ ስድራ ቤት ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እቲ ናይ ወለዲ ኣብ ውላዶም ዘለዎም ናይ ምንባይ መሰል ደው ንኽብልን ንኸይብልን ዝግበር ውሳነን ነቲ ናይ ሞግዚነት ምእዛዝን ውሳኔን ኩልጊዜ ኣብ ሓደ ጊዜ ኢዩ ዝውስኖ። እንተድኣ እቲ ንመንእሰያት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት -ዩገንድኣምት- ኣብ ቤት ፍርዲ ነቶም መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ሞግዚት ወይ ተሓባባሪ ንኽግበረሎም ኢሉ ኣመልኪቱ ኮይኑ ድሕሪኡ እቲ መስርሕ ብዝቐልጠፈ ጊዜ ኢዩ ዝሳለጥ ምናልባት ኣብ መንጎ ቁሩብ መዓልትታትን ስጋብ ሓደ ወርሒን ኣብ ዘሎ ጊዜ ክሳለጥ ይኽእል። እንተኾነ ግን ከከም ኩነታቱ ሓደ ፍሉይ ኹነታት ምስዘጋጥም እቲ መስርሕ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ይኽእል እዩ እዚ ማለት ንኣብነት እቲ ዝምልከቶ ውልቀ ሰብ ካብቲ ንሱ ኣብቲ ጊዜ እቲ ዝነብረሉ ዝነበረ መንበሪ ቦታ ገዲፉ ናብ ካልእ ቦታ ቀጺሉ ንኽጓዓዝ ኢሉ እንድሕሪ ከይዱ ኮይኑ እቲ ጉዳይ ክናዋሕ ይኽእል።ዘሰንዮም ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣበይ ክረኽቡ ይኽእሉ?

ናይ ስደተኛታት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት - ቡንደስ ኣምት (Das Bundesamt für Migration und Flüchtlinge (BAMF) ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት ዝኸውን ሓበሬታ ብሰፊሑ ይህብ።

BAMF: Informationen für unbegleitete Minderjährige

ኣባላስ ስድራ ቤትካ ዝኾኑ ምንዳይ

ኣብዚ ናይ ኢንተርነት መርበብ www.tracetheface.org ዕድሚኦም ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ስደተኛታት ነቶም ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ዝጠፍእዎም ስድራ ቤቶም ምናልባት ኣብ ኤውሮጳ ይነብሩ ኣለዎ ዝብል ግምት እንድሕር ኣልዎም ኮይኑ ከናድይዎም ይኽእሉ ኢዮም።

Trace the Face

ውድብ ቀይሕ መስቀል ናይ ምንዳይ ኣገልግሎት ዝግበረሉ ኣብቲ ናቱ መርበብ "Trace the Face - kids" ዝብል ስእሊ ናይቶም ስድራ ቤቶም ዘናድዩ ዘለዉ ቆልዑት ስእሎም ብምልጣፍ ከምኡ’ውን ደቆም ዝጠፍእዎም ስድራ ቤት እውን ደቆም ከናድዩሉ ዝኽእሉ መስርሕ የካይድ። እቲ መርበብ ብቃል-ምስጢር ( Passwort) ዝተሓጽረ ኢዩ። እቲ ዝልጠፍ ስእልታት ድማ እቶም ናይ ውድብ ቀይሕ መስቀል ሰራሕተኛታት ጥራሕ ክርእይዎ ብዝኽእል ኣገባብ ይምስራሕ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ዘናድዩን እቶም ዝድለዩ ዘለዉን ስባት ርክብ ንኽገብሩ ጻዕሩ ዩካይድ።

ስፖርት

Deutsche Texte

Letzte Aktualisierung: 24.04.2015

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen