ስድራ ቤትካ መዓስ ናብዚ ከተምጽእ ከምእትኽእል፣ እቲ ከምኡ ንምግባር ከተማልኦ ዘድሊ ቕጥዕታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከምኡ’ውን እቲ ክትገብሮ ዘሎካ ኣድላዪ ዝኾነ ተብግሶታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ዘድሊ ሓበሬታ እቶም ናይ ኤሜግረሽን ቤት ጽሕፈታት (ኣውስሌንደርበሆርደ) ክኽውን ከሎ ብተወሳኺ’ውን ከከም ኩነታቱ እቲ ናይ ስደተኛታት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስኣምት (das Bundesamt für Migration und Flüchtlinge (BAMF)፟) ሓበሬታ ክህበኩም ይኽእል ኢዩ።
Informationen zum Familiennachzug
ብተወሳኺ’ውን ካልእ ብዙሕ ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ዝለዘሎ ብዛዕባ ስድራ ቤት ናብዚ ናይ ምምጻእ ሓደ ሓፈሻዊ ዝኾነ ሓበሬታ ወይ መግለጺ ንኽትህብ ኣሸጋሪ ኢዩ። ስለዚ ብዝበለጸ በዚ ጉዳይ እዚ ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ ምስእተደልዩ ኣብቲ ዝምልከቶ ናይ ኢሚግረሽን ቤት ጽሕፈት ወይ ኣብቶም ንስደተኛታት ሓበሬታ ዝህቡ ቤት ጽሕፈታት ብምውካስ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።