Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

ምጕት ወይ ናይ ሕጊ ጸገማት ምስዝሕልው ዝግበር ሓገዝ

Letzte Aktualisierung: 27.02.2017

ናይ ሓበሬታ ደገፍ

ስድተኛታት በዚ ዝግበር ናይ ሓበሬታ ደገፍ ኣገባብ ንሓደ ጠበቓ ተወኪሶም ናይ ሓበሬታ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ከምዚ ዝመሰለ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ምሃብ ደገፍ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ዋዕላ ወጻኢ ዝኾነ ማለት ኣብ ከም ናይ ሲቪላዊ ሕጊ፣ ናይ ስራሕ ሕጊ፣ ናይ ምምሕዳር ሕጊ፣ ማሕበራዊን ከምኡ‘ውን ናይ ገበናዊ ሕጊ ብዝምልከት ደገፍ ክግበር ይከኣል ኢዩ። እዚ ንኸምዚ ዓይነት ናይ ሕጊ ሓበሬታ ዝግበር ደገፍ ንምርካብ ዝቐርብ ምልክታ ኣብቲ እትቕመጡሉ ቦታ ዘሎ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ከተመልክቱ ትኽእሉ።

ዝኾነ ውልቀ ሰብ ወካሊ ጠበቃ ወይ ሓበሬታ ዝህቦ ክገብር እንድሕር ደልዩ ናይ ግድን 15 ኦይሮ ይኸፍል እሞ እቲ ካልእ ተወሳኺ ዝኽፈል ዋጋ በቲ ዝምልከቶ ናይ ሓበሬታ ሓገዝ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ይኽፈል። እቲ ሓበሬታ ዝደሊ ሰብ ነቲ ዝኽፈል 15 ኦይሮ ክኸፍል ዘይክእል እንድሕር ኮይኑ እቲ ሓበሬታ ዝህብ ሰብ ነቲ ዝኽፈል 15 ኦይሮ ኣስተያየት ጌሩ ክገድፎ ይኽእል ኢዩ። ከም ልሙድ እቶም ሓበሬታ ዝህቡ ሰባት ካብዚ ናይ 15 ኦይሮ ዋጋ ዝበዝሕ ገንዘብ ከኽፍሉ ኣይግብኦምን ኢዩ።

ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ

እንተድኣ ሓደ ምጕት ብቤት ፍርዲ ክውሰን ዘለዎ ኮይኑ ኣብቲ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ክሲ ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ነቲ ክሲ ንምቕራብ ዝግበር ወጻኢታት ገንዘብ (ምናልባት ብኸፊሉ) በቲ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ሓገዝ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ክኽፈል ይኽእል። እዚ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ነቶም ብዙሕ ደሞዝ ዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ ኣብ ናይ ሲቪላዊ-፣ ምምሕዳር-፣ ናይ ስራሕ ; ናይ ፋይናንስ-፣ ከም‘ኡ‘ውን ናይ ማሕበራዊ ቤት ፍርድታት ጉዳዮም ንኸራኣየሎም ዝደልዩ ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ኢዩ።

እዚ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ነቲ ወጻኢታት ገንዘብ ናይቲ ኣንጻርካ ዝምጕት ዘሎ ሰብ ናይ ምትካእ ጉዳይ ብዝምልከት ጽልዋ የብሉን። እዚ ክበሃል ከሎ ድማ ነቲ ናይ ኣንጻርካ ጠበቃ ዝኽፈል ዋጋ እውን የጠቓልል። ስለዘ ኣብቲ ምጕት ዝተሳ‘ዕረ ውላቀ ሰብ ዋላ እኳ እቲ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ይወሃቦ እምበር ከም ልሙድ ነቲ ወጻኢታት ናይ ኣንጻርካ ዝተማጐተ ክትከፍሎ ኣሎካ። ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ኣብቲ ነቲ ጉዳይ ዘካይዶ ዘሎ ቤት ፍርዲ ከተመልክት ትኽእል። እቲ ቤት ፍርዲ ብናይ ቦታ ይኹነ በቲ ጉዳይ ናይቲ ምጕት እቲ ብሕጊ ነቲ ጕዳይ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ኢዩ።

ህዝባዊ ናይ ሕጊ ምኽሪ

ብተወሳኺ‘ውን ብኻልእ መንገዲ ብነጻ ወይ ከከም ደሞዝካ ተራ‘እዩ ዝኽፈል ዋጋ ጌርካ ዝወሃብ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ደገፍ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ህዝባዊ ዝኾነ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ደገፍ ቐረባት ኣሎ። ዝርዝር ናይ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ንምፍላጥ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ክርከብ ይከኣል።


ከምዚ ዓይነት ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መግለጺ ጽሑፍ (ብሮዡር) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen