ኣብ ጀርመን ገዛ ተኻርዮም ዝነብሩ ኩሎም ነቲ ዘሎ - ሕጊ ምምሕዳር ገዛ - ከኽብሩ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ከከም ኩነታቱ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ክፈላለይ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ንዓኹም ዝምልከት ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ንምፍላጥ ነቲ ዝምልከቶ ናይቲ ገዛ ኣምሓዳሪ ተወከሱ።
ኣብ ጀርመን ብዙሓት ናይ መንበሪ ገዛውቲ ዝርከቦም ብዙሓት ህንጻታት ብሓባር ሕጊ ተኸቲሎም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ናይ ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ኣሎ። ኩሎም እቶም ተኻረይቲ ነዚ ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ከኽብሩ ግዴታ ኣለዎም። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ከከም ዅነታት ናይ ገዛ ክፋላለይ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ንዓኹም ዝምልከት ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ንምፍላጥ ነቲ ዝምልከቶ ናይቲ ትነብርሉ ዘለኹም ገዛ ኣምሓዳሪ ተወከሱ።
እቲ ዋና ኣገዳሲ ነገር ዝኾነ ናባኹም ዝለኣኽ ፖስታ ኩልግዜ ክበጽሓኩም ክኽእል ኣለዎ! ሽምኩም ድማ ኣብቲ ናይ ፖስታ መቐበሊ ሳጹን ጽሒፍኩም ከተንብርሉ ኣለኩም ከምኡ’ውን ነቲ ናይ ፖስታ ሳጹንኩም በብግዚኡ ፖስታ መጺኩም ምዃኑ ንምፍላጥ ክትፍትሽዎ ኣለኩም።
ናይ ጽዓት ዝኽፈል ዋጋ ክትቑጥቡ ምእንቲ እቲ ናይ ገዛ መሞቒ ኣጠቓቕማን ንፋስ ዝኣትወሉ ኣገባብ ተኸታተሉ።ብመሰረቱ እቲ መሞቒ ክትውልዕዎ ከለኹም መስኮት ናይ ግድን ክዕጸው ኣለዎ። ነቲ ገዛ ንፋስ ክአትዎ ምእንቲ ነቲ መስኮት አብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ከፊትኩም ንኣስታት ዓሰርተ ደቓይቕ ንፋስ ኣእትውሉ። ብተወሳኺ’ውን ከምዚ ምስእትገብሩ እቲ ገዛ ሰበባ ንኸይገብር ክትከላኸሉ ትኽእሉ ማለት ኢዩ። እንተድኣ ሰበባ ጌሩ ኣብ ጥዕናኹም ጉድኣት ከውርደልኩም ይኽእል ኢዩ ስለዚ ጉድኣት ከይወርደኩም ምእንቲ ክትከላኸሉ ኣገዳሲ ኢዩ።.
ኣብ ጀርመን ጐሓፍ ከጎሓፍ ከሎ ብስነ-ኣካባቢያዊ ምኽንያት ተፈላልዩ ኢዩ ዝጎሓፍ። ንዝተፈላለየ ጐሓፍ ዝተፈላለየ ናይ ጐሓፍ መኤከቢ ገረወይና ኣሎ:
Quelle:
© M. Staudt / grafikfoto.de
Mülltrennung in Deutschland
ብጫ ዝሕብሩ መኤከቢ ጐሓፍ ገረውይና ከም ብ ፕላስቲክ ወይ ብሓጺን ዝተሰርሔ መጠቕለሊ ወይ መሸፈኒ ኣቑሑት ንኽትጉሕፈሉ ኢዩ ዘገልግል። ብናዊ ዝሕብሩ መኤከቢ ጐሓፍ ገረውይና ድማ ስነ-ህይወታዊ ዝኾነ ጐሓፍ ማለት ከም ተረፍ መግቢ ወይ ናይ ኣቑጽልቲ ጐሓፍ ንኽትጉሕፈሉ የገልግል። ሰማያዊ ዝሕብሩ መኤከቢ ጐሓፍ ገረውይና ድማ ንወረቓቕትን ባኮታትን ንምጉሓፍ የገልግል ጸሊም ዝሕብሩ መኤከቢ ጐሓፍ ገረውይና ድማ ንኹሉ ዝተረፈ ጐሓፍ ንመጉሓፊ ክኸውን የገልግል ናይ ጠራሙዝ መኤከቢ ገረወይና ድማ ኩሉ ጥርሙዝ ዘለዎ ጐሓፍ ንመጉሓፊ የገልግል። እቲ ዝጐሓፍ ጠራሙዝ ከከም ሕብሩ ቐጠልያ፣ ብናዊን ጻዕዳ ዝሕብሩ ጠራሙዝ ተፈላሊዩ ይጐሓፍ። ትሕጃ ገንዘብ ዝኽፈሎ ጠራሙዝ: ሓደ ሓደ ጠራሙዝ ኣብ ሱፐር ማርኬት ትመልስዎ እሞ ድሕሪኡ ናይ ትሕጃ ገንዘብ ክምለሰልኩም ይኽእል። ብዙሕ ጠራሙዝ ትሕጃ ዝኽፈለሉ ኢዩ፣ ብፍላይ ድማ ናይ ቢራ ጠርሙዝ ካልእ ጠራሙዝ እውን ናይ ዳግማይ ኪምስራሕ ከምዝኾነ ዘርኢ ስእሊ ምልክት ዘለዎ እንተኾይኑ ትሕጃ ዝኽፈሎ ኢዩ ማለት ኢዩ።
ብዛዕባ ኣፋላልያ ናይ ጐሓፍ ብዝምልከት ሓበሬታ ምስ እትደልዩ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም:
(ብእንግሊዝ፣ ቲርኪ፣ ራሽያ፣ ፖለን፣ ዴንሽ)
Abfalltrennung
Abfalltrennung mehrsprachig
ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ድማ ብዛዕባ ናይ ሓዊ ሓደጋ ምስዘጋጥመኩም እንታይ ክትገብሩ ከምዝለኩም ዝገልጽ ሓበሬታ ኢዩ። ስዚ በዚ ጉዳይ እዚ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም :
Verhalten im Brandfall
Verhalten im Brandfall
ኣብ ሓደ ሓድሽ ገዛ ምስእትቕይሩ ከም ልሙድ እቲ ናይ ቴሌቪዥን ናይ ግብሪ ሕሳብ ብቕጽበት ይላኣኸልኩም። ነዚ ዝኽፈል ሕሳብ እዚ ኩሎም ሰባት ባዕሎም ክኸፍልዎ ኣይግደዱን ኢዮም። እንተድኣ ናይ ዑቕባ ሓቲትኩም ኮይንኩም እሞ ብመሰረት ሕጊ ናይ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ሓገዝ ዝወሃበኩም ኮይኑ እቲ ናይ ቴሌቪዥን ዝኽፈል ግብሪ ክኽፈለልኩም ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ብቋንቋኩም ዝተጻሕፈ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:
Informationsflyer Rundfunkbeitrag in Englisch, Arabisch, Türkisch, Französisch, Spanisch, Russisch