Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

ኣብ ጀርመን ብኸምይ ንነብር?

ኣብ ሃገርና እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ሕጊ ቕዋም ኢዩ። እዚ ቕዋም እዚ ኣብ ጀርመን “ግሩንድገሰትዝ” ብዝብል ሽም ይፍለጥ። እዚ ቕዋም እዚ ብሓንሳብ ክንነብረሉ ዘኽእል ኣገባብ ዝሓዘለ ኩለን ናይ ሃይማኖት ማሕበራት ዝኽተልኦ

Letzte Aktualisierung: 18.10.2017

ኣገዳሲን መሰረታውን ሕጊ ኢዩ:

  • ንሕና ዲሞክራሲ ዘለዎ ናብራ ንነብር።
  • ኩሎም ናይ ጀር መን ዜጋታት ኣብዛ ሃገር መን ከምርሕ ከምዘለዎ ብሓባር ኮይኖም ይውስኑ ።

ጀርመን ኣብ ቅዋም ዝተመስረተ መንግስቲ ኣለዋ።

  • መንግስቲ ይኹን ኩሎም ተቐማጦ ዜጋታት ነቲ ሕጊ ከኽብርዎ ግዴታ ኣለዎም።
  • እንተድኣ ሓደ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ገበን ጌሩ እቲ መንግስቲ ነቲ ገበን ዝገበረ ሰብ ብገበኑ ከምዝቕጻዕ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ቅኑዕን ዘይቕኑዕን መሰል ይውስን። ዓመጽ ዘቕጽዕ ተግባር ኢዩ፣ ዋላ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር፣ ስድራቤትን ኣንጻር ቆልዑትን ዝግበር ዓመጽ ዘቕጽዕ ገበን ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ቃል ኪዳን ምእሳር ተቐባልነት ክህልዎ ዝኽእል ኣብ ቅድሚ ወኪል መንግስቲ (ሽታንደስኣምት) ምስዝግበር ጥራሕ ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ምስቓይ፣ መግረፍቲ፣ ወይ ናይ ሞት ፍርዲ የለን።
  • ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሎም ሰባት ማዕረ ኢዮም።
  • ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ መሰላት ኣለዎም ከምኡ 'ውን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይኹን ኣብቲ ሕብረተሰብ ማዕረ ዝኾነ መሰላትን ግዴታታትን ኣለዎም።
  • ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ይኹን ነፍስ ወከፍ ሰበይቲ ክንክሰስ ኢና ወይ ክንእሰር ኢና ኢሎም ከይፈርሑ ብግልጺ ርእይቶኦም ኽገልጹ ምሉእ መሰል ኣለዎም። ከምኡ'ውን ንናይ ዜና ማዕከናት ዝግበር ሴንሱር የለን። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣድልዎ ዘለዎ ርእይቶ ክገብር ወይ ናይ ኣድልዎ ጠባይ ከዘውትር መሰል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን፣ ንኣብነት ጾታዊ፣ ብዘርኢ፣ ናይ ወጻእተኛታት ጽልኢ ወይ ኣንጻር ሴማውያን ዝኾነ ርእይቶታት ክግበር ኣይፍቀድን ኢዩ።

ተጻዋርነትን ኣኽብሮትን

  • ኣብ ጀርመን ንኽልኦት ውልቀ ሰባት ተጻዋርነትን ምርኣይን ኣኽብሮት ምህላውን ዓቢ ተራ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ዓንቀጽ 3 ናይ ጀርመን ቅዋም (ግሩንድገሰትዝት) ከምዝብሎ ዝኾነ ሰብ ብጾታኡ፣ ብብሄሩ፣ ብዓሌቱ፣ ብቛንቁኡ፣ ብመበቆሉ ወይ ብሃገሩ፣ ብእምነቱ፣ ብሃይማኖቱ ወይ ብፖለቲካ ኣረኣእያኡ ክሳራታት ወይ መኽሰባት ክጋጥሞ የብሉን ። ዝኾነ ሰብ ብዘለዎ ስንክልና ምኽንያት ኣድልዎ ክግበረሉ የብሉን ።
  • ንዝኾነ ዜጋ ምሽጋር ወይ ወዲ ተብዓታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲኣንጻር ድልየቱ ክትተናኽፎ ምፍታን ኣብ ጀርመን ሸለል ዝበሃል ነገር ስለዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዅነታት ዘቕጽዕ ገብርን ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ሃይማኖት ናይ ውልቂ ጉዳይ ኢዩ። ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ እቲ ክኣምነሉ ዝደሊ ሃይማኖት ባዕሉ ኢዩ ዝውስን። ናይ ሃይማኖት ጉባኤታት ልዕሊ መንግስቲ ኣይኮኑን። ቤተ ክህነትን ናይ ሃይማኖት ማሕበራትን ዝተፈላለየ ኢዩ።
  • ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ደቂ ተባዕትዮ ደስ ዝበሎም ክዳን ክኽደኑ መሰል ኣለዎም። ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ሞያ ስራሕ ዝተወሰነ ናይ ስራሕ ክዳውንቲ ንኽትክደን ግዴታ ኣሎ።
  • ደቂ ኣንስትዮ እቲ ዝኽደንኦ ክዳን ስጋብ ክንደይ ናይ ሰውነተን ኣካል ክሽፍነለን ከምዘለዎ ባዕለን ኢየን ዝውስንኦ።እንተኾነ ግን መብዝሕትኡ ጊዜ በቲ ሕብረተ ሰብ ዝተወስደ ኣገባብ ኣሎ። እዚ ድማ ከከም ኩነታቱ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፋላለ ይኽእል ኢዩ. ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ኣዳድንኣ ዓይነት ብዘየገድስ ማንም ሰብ ክተሓሕዛ ኣይፍቀደሉን ኢዩ።

ማዕርነት

  • ዝኾነ ዕድሚኡ ዝኣኸለ ወዲ ተብዓታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ ነቲ ቃል ኪዳን ክኣስረሉ ዝደሊ ውልቀ ሰብ ባዕሉ ኢዩ ዝውስን። እዚ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ብማንም ሰብ ዘቕጽዕ ጉዳይ ክኸውን የብሉን። ብተወሳኺ’ውን ዝኾነ ውልቀሰብ ካብ ሓዳሩ ንኽፋታሕ ሕጋዊ መሰል ኣለዎ።
  • ሓዳር ምግባር ይኹን ሓዳር ዘይምግባር ከም ልሙድ ዝኾነ ነገር ዝውሰድ ነገር ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ዝኾነ ውልቀ ሰብ እቲ ንሱ ኣብ ፍቕሪ ዘለዎ ኣትኩሮት ምሰየናይ ጾታ ክኸውን ከምዘለዎ ባዕሉ ብናጻ ድልየቱ ይውስን። ኣብ ጀርመን ግብረ-ሰዶማዊ (ወዲ ምስ ወዲ ወይ ጓል ምስ ጓል) ፍቑድ ኢዩ። ናይ ግብረ-ሰዶማዊ ርክብ ዘለዎም ልክዕ ከም ሰብኣይን ሰብይቲን ሓዳር ክገብሩ ፍቑድ ኢዩ።

ብዛዕባ መሰላት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ብቋንቋኹም ኣብዚ ዝስዕብ ከተንብቡ ትኽእሉ:

Nur Mut! Handlungsmöglichkeiten für Frauen in Gewaltbeziehungen (auf deutsch) (PDF, 6MB, Datei ist barrierefrei)

Hilfetelefon - Gewalt gegen Frauen

„Geh deinen Weg! Deine Rechte als Frau in Deutschland“

እቲ ኣገባብ ሕጊ ቕዋም (ግሩንድገሰትዝ) ንምፍላጥ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

Basic Law for the Federal Republic of Germany

Grundrechte (deutsch-arabisch / deutsch-englisch)

ፍሉይ ዝኾነ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት

ኣብ መላእ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ነቶም ፍሉይ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ተባሂሉ ዝተዳለወ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ቤት ጽሕፈታት ኣሎ። ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ተወኪስኩም ናይቶም ዝምልከቶም መዛርብቲ ኣድራሻ ክትረኽቡ ትኽእሉ:

ፍሉይ ዝኾነ ውሕስነት ኣብ ዘድልየሉ ግዜ መን ኢዩ ክሕብር ወይ ክሕግዝ ዝኽእል?

ንኽትፈልጦም ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት:

  • ኣብ ጀርመን ስደተኛ ዝብል ቃል ጽርፊ ኣይኮነን ። ስደተኛ እንብሎም ኩሎም ናባና ተሰዲዶም ዝመጹን ዑቕባ ዝሓቱን ኢዮም። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ድማ ንብለኩም!
  • ኣብ ጀርመን ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ። ኣብ ሃገርና ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ኣሎ። ኣብዚ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ 9 ዓመት የጠቓልል።
  • ስላም ኣብ እንባሃለሉ ጊዜ መብዝሕትኡ ጊዜ ኢድ ብምጭባጥ ሰላም ንብል። ምትሕቑቓፍ፣ ኣብ መንኮብካ ምትሕሓዝ ይኹን ካልእ ናይ ሰውነት ምትንኻፍ ዝኣመሰሉ ኣብ መንጎ ቀረባ የዕሩኽ ጥራሕ ኢዩ ዝዝውተር ።
  • ኣብ ጀርመን ገለ ሰባት እንተድኣ ኣዝዮም ዝፋተዉ ወይ ዝፋቐሩ ኮይኖም ኣብ ደገ ሰብ እንዳራኣዮም ነንሕድሕዶም ናይ ፍቕሪ ተርእዮታት ከርእዩ ልሙድ ኢዩ። ንኣብነት ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝካ ምኻድ ወይ እንዳተሰዓዓምካ ምኻድ ወዘተ። ዝኾነ ሰብ ዋላ እኳ ንሱ ኣብ ደገ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከምዚ ዓይነት ናይ ውልቂ ተግባራት ከዘውትር ዘይደሊ ይኹን እምበር ነዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ክቕበሎ ኣለዎ። እዚ ኸምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር፣ ሰብኣይን ሰበይትን ከምኡ 'ውን ኣብ መንጎ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ እንድሕር ዝፋቐሩ ኮይኖም ወይ ኣብ መንጎ ሰበይትን ሰበይትን እንድሕር ነንሕድሕደን ዝፋቐራ ኮይነን ዝረኤ ተርእዮታት ኢዩ።
  • ኣብ ጀርመን ቖጸራ ምኽባር ኣገዳሲ ነገር ኢዩ። ቖጸራ ጌርካ ከተብቕዕ ድንጕኻ ንኻልእ ሰብ ከተጸብዮ እንድሕር ኮይንካ ክብረት ናይ ሰብ ከምዘይብልካ ኢዩ ዘርኢ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ደንጕኻ ክትመጽእ እንድሕር ኮይንካ ነቲ ዝጽበየካ ዘሎ ሰብ ቴሌፎን ደዊልካ ክትድንጕይ ከምዝኾንካ ክትሕብሮ ይግባኣካ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ይኹነ ብዕርክነት ዝግበር ቖጸራ ክትግበር ዘለዎ ኢዩ።
  • ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ዝኾኑ (Beamte und Angestellte des öffentlichen Dienstes) ዝኾነ ዓይነት ህያብ ክቕበሉ ኣይፍቀዶምን ኢዩ። ዋላ እኳ ብዙሕ ምስጋና ዘድልዮ ነገር እንተገበሩ የቐንየለይ ኢልካ ብልቢ ምምስጋን ጥራሕ እኹል ኢዩ። ስለዚ ዋላ ናኣሽቱ ህያብ እንተድኣተቐቢሎም ከም ብልሽውና ኢዩ ዝቑጸር።
  • ኣብ ጀርመን መብዝሕትኡ ድንኳናት ካብ ሰዓት 8 ስጋብ ሰዓት 18 ክፉት ኢዩ። ሓደ ሓደ ሱፐር ማርኬታት መብዝሕትኡ ጊዜ ስጋብ ሰዓት 20 ወይ ካብኡ ዝነውሔ ሰዓታት ይኸፍቱ ኢዮም። ብዙሓት ናይ በንዚና መዔደሊ ቦታታት መብዝሕትኡ ጊዜ ለይቲ ክፉት ኢዩ። ሰንበት ከምኡ 'ውን ኣብ ናይ በዓላት ጊዜ ከምቲ ሕጊ ዝብሎን ከም ልሙድን ኩሉ ድንኳናት በጀካ ናይ በንዚና መዔደሊ ዕጽው እዩ ።
  • ኣብ ሓደ ናይ ብሥጋ ደርሆ ዝተሰርሔ ግዕዝም (ቩርስት) ናይ ሓሸማ ስጋ ዝተሓወሶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ንምፍላጥ አብቲ ናይ ነፍስ ወከፍ መሸፈኒ ናይቲ መግቢ ተጻሒፉ ዘሎ ዝርዝር ናይቲ መተሓውስቲ አንቢብካ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።
  • ብባቡር ይኹን ብአውቶቡስ ክትጐዓዙ ምስእትደልዩ አገልግሎቱ ዘይሓለፈ ናይ መጐዓዓዚ ትኬት ሒዝኩም ጥራሕ ኢኹም ክትጐዓዙ ዝፍቀደኩም። እቲ ትኬት ቅድሚ ምብጋስኩም አብቲ እትስቀልሉ ዘሎ ናይ ትኬት መሸጢ ክትገዝኡ አለኩም። ናይ አውቶቡስ ትኬት አቐዲምካ ትኬት ክትገዝአሉ እትኽእል ቦታ ወይ ድማ ብቐጥታ ካብቲ ናይታ አውቶቡስ አውቲስታ ክትገዝኡ ትኽእሉ።
  • ኣብ ጀርመን ሽጋራ ኣብቲ ሽጋራ ከተትክኸሉ እትኽእል ቦታ ጥራሕ ኢዩ ከተትክኽ ዝፍቀድ። ኣብ ቤት መግቢ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ካልኦን ናይ ህዝባውያን ድርጅታትን ሽጋራ ምትካኽ ኩልኩል ኢዩ። ኣብ ናይ መዓርፎ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ድማ ፍሉእ ሽጋራ ከተትክኽ ዝፍቀደሉ ቦታ ተመልኪቱ ኣሎ።

ስራሕ

  • ከም ልሙድ አብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልቲ ንሰርሕ፣ ምብዝሕትኦም ሰባት ቀዳምን ሰንበትን ዕረፍቲ ኣለዎም። ነፍስ ወከፍ ዝሰርሕ ሰብ ምስቲ ስርሑ ዝመጣጠን ደሞዝ ክወሃቦ ኣለዎ፣ ካብቲ ደሞዙ ድማ ዝተወሰነ ገንዘብ ንመንግስቲ ከም ቀረጽ ይኸፍል። ዝኾነ ዝሰርሕ ሰብ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ብዝተፈላለየ ኣገባብ መሰላቱ ይሕለወሉ ኢዩ። ኣብ መንጎ ስራሕ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ ክህልው ኣለዎ፣ ኣብ ሓደ ጊዜ ዝተወሰነ ሰዓታት ጥራሕ ኢዩ ክሰርሕ ዘለዎ፣ እንተድኣ እቲ ዝሰርሖ ስራሕ ሓደገ ኛ ኮይኑ ማለት ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ገዛ ኮይኑ ዝሰርሕ እንድሕር ኮይኑ እቲ ናቱ ሓላፊ ወይ ሓላፊት ድሕነት ናቱ ሓልዩ ክሰርሓሉ ዝኽእል ኣገባብ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ኣለዎም።
  • ኣብ ጀርመን ሓደ ሰራሕተኛ ክወስዶ ዝግብኦ ብሕጊ ዝተወሰነ ዝተሓተ ደሞዝ ኣሎ። ኩሎም ዋሃብቲ ስራሕ ንስራሕተኛታቶም እንተወሓደ 8,84€ ንሰዓት ንኽኸፍልዎም ግዴታ ኣለዎም።

ስራሕ፡ - ናይ ምኽርን ደገፍን ቀረባት

ኣካባቢ

  • ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት ነቲ ኣካባቢ ብጽቡቕ ኣገባብ ናይ ምሓዝ ጠባያት የርእዩ። ኣብ ዘየድሊ ግዜ ብዙሕ ጸዓት ንኸይጥቀሙ ይጥንቀቑ ከምኡ’ውን ጐሓፍ ከከም ዓይነቱን ኣገባቡን ነንበይኑ ፈላልዮም ይጉሕፉ። ስለዚ ንስኹም’ውን እቲ መሰረታዊ ኣገባብ ዝገልጽ ናይቲ እትነብርሉ ገዛ መሰረት ብምግባር እኹል ንፋስ ናይ ምእታው ጉዳይ፣ እቲ ዝምልከተኩም ሕጊ ምምሕዳር ገዛ ከምኡ’ውን ናይ ጐሓፍ ፈላሊኻ ናይ ምጉሓፍ ኣገባብ ተመልከቱ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ተወከሱ፡

ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ እትቕመጥሉ ግዜ እንታይ ነገራት ክትፈልጡ የድልየኩም?

ካልእ ተወሳኺን ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታት ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተመልከቱ:

Refugeeguide Tigrinya

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen