Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

ቤት ትምህርት

ኩሎም ን Schleswig-Holstein (ሽለስቪግ ሆልሽታይን) ከም ቀንዲ መንበሪኦም ገይሮም ኣብኡ ብስርዓት ተመዝጊቦም ዝነብሩ ቆልዑን መንእሰያትን፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸዱ ይግደዱ። እዚ ኸኣ ብመሰረቱ ንደቂ ስደተኛታት እውን ይምልከት። ብዝከኣል መጠን ካብታ ዝኣተዉላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሮም ከኣ ቋንቋ ጀርመን ይመሃሩ።.

Letzte Aktualisierung: 01.03.2016

ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ጀርመን

ኣብ ጀርመን ስርዓተ ትምህርቲ ካብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ትሕዝቶን ደረጃታትን ዘለዎ ዝተዋጸኤ ኢዩ። እቲ ደቕኹም ወይ ንስኹም ባዕልኹም ከከም ዕድሜኹም እትኸድዎ ወይ ክትከድዎ እትግደዱ ዝተፈላለየ ድርጅታትን ትካላትን ንምርኣይ ኣብዚ ዝስዕብ ኢንተርኣክቲቭ ዝኾነ ሓበሬታ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ናይ ጀርመን ስርዓተ ትምህርቲ ብስእላዊ ዘርኢ ግራፊክ ኣብቲ ላዕለዋይ ሸነኽ ዘሎ መስመር ዕድሜኻ ክትህበሉ እትኽእል ክህሉ ከሎ ኣብ ትሕትኡ ድማ ሓደ መስመር ናይ ትምህርትኻ ክፍሊ ደረጃ ክትጽሕፈሉ እትኽእል ኣሎ። ኣብኡ ክሊክ ኣቢልኩም ምስእትኸፍትዎ እቲ ንዕኡ ዝምልከት ናይ ትምህርቲ ዓይነት ዝርዝር ክትረክቡ ትኽእሉ። ኣብቲ ከም ምልክት ኵናት ተመልኪቶ ዘሎ ምስእትርእዩ ድማ ውላድኩም ሓደ ዝተወሰነ ትምህርቲ ወዲኡ ምስተመረቐ ድሕሪኡ ኣበየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክቕጽል ከምዝኽእል ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም ።

Grafik zum Bildungssystem

ኣብ ጀርመን ስራሕ ኣብ እትደልየሉ ጊዜ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዝወዳእኻ እንድሕር ኮይንካ ኣብ ስራሕ ናይ ምርካብ ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ። ናይ ሞያ ትምህርቲ ንኽትመሃር ቅድሚኡ እቲ መደባዊ ትምህርቲ ክትውድእ ኣሎካ። ስለዚ እዚ እውን እንተኾነ ኣብ ጀርመን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዘይወዳእኹም ኮይንኩም ዕድሜኹም ሰጋብ 18 ዝመልእ ናይ ሞያ ትምህርቲ ናይ ምምሃር ግዴታ ኣለኩም። ንስኹም ናብቲ ናይ ሞያ ትምህርቲ ንምድላው ዝቖመ ክፍሊ (Berufsintegrationsklassen (BiK- DaZ)) ከምኡ'ውን ናይ ሞያ ትምህርቲ መቀራረቢ ዓመት („Ausbildungsvorbereitendes Jahr“ (AV - SH)) ትኸዱ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ትማሃርሉ ጊዜ ብተወሳኺ ናይ ማሕበራዊ ናይ ምንባይን ደገፍ (sozialpädagogische Betreuung) ከምኡ'ውን ከከም ናይ ቋንቋ ደረጃ ክእለትኩም ናይ ቋንቋ ትምህርቲ (DaZ -Unterricht ቋንቋ ጀርመን ከም ካልኣይ ቋንቋኹም) ትምሃሩ። እንተድኣ ድሕሪኡ ናይ ሞያ ልምምድ ክትገብርሉ እትኽእሉ ቦታ ረኺብኩም ኣብቲ ናይ ሞያ ትምህርቲ ናይ ምምሃር ግዴታ ኣለኩም፣ ኣብቲ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዝመሃርሉ ክፍሊ እንዳኸድኩም ድማ ትመሃሩ።

ደቂ ስደተኛታት ቋንቋ ጀርመን ይመሃሩ

ኣብ ማእከላት ዳዝ (DaZ -Zentren) ምምሃር

ማእከላት ዳዝ (DaZ -Zentren) ምስ ቤት ትምህርቲ ብምጽማድ፡ ብንቡር ኣሰራርሓ ስርዓት ትምህርቲ ከይተቐየዳ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ኣዳሊወን የቕርባ። እዚ ማለት ከኣ ትሑት ፍልጠት ቋንቋ ዘለዎም ወይ ከኣ ጠሪሶም ቋንቋ ጀርመን ዘይክእሉ ናብ ቤት ትምህርት ንኽኸዱ ግዱዳት ዝኾኑ ቆልዑትን መንእሰያትን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ይመሃሩ ማለት'ዩ። መማህራኖም ነዚ መስርሕ እዚ ተባሂሎም ዝሰልጠኑን ፍልጠት ዝረኸቡን ይኾኑ።

ዕላማ ኸኣ ኣየናይ ናይ ኣደ ቋንቋ ይዛረቡን፡ ካበየነይቲ ሃገር ይምጽኡን፡ ብዘየገድስ፡ ቆልዑን መንእሰያትን በብዓቅሞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዓወት ክካፈሉን፡ ትምህርቶም ክውድኡን ንምብቃዕ ኢዩ።.

ብዙሕ ዝመድረኻቱ መርኣዪ (Modell)

ከም ስሩዕ ኣሰራርሓ፡ ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ መሰረታዊ መድረኽ እዮም ዝጅምሩ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታትን ኣብ ከባቢ ዘይኣተዋ ከተማታትን ከኣ ብገምጋም 25 ሰዓታት ሰሙናዊ ትምህርቲ (25 Wochenstunden) ይረኽቡ ። ዕለታዊ ናይ ክልተ ሰዓታት ትምህርቲ ቛንቋ ምውሳድ፡ ኣብ ዝተረፈ ናይ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ እዋን ከኣ ምስ ካልኦት ተመሃሮ ኣብ ''ስሩዕ ቤት ትምህርቲ'' ምክፋልን እውን ይከኣል እዩ። ኣብ መሰረታዊ መድረኽ ተመሃሮ ንኽንደይ ሰዓታት ክመሃሩ ከም ዝግብኦም ብመማህራን ይውሰን።.

ብድሕሪኡ ኣብ ናይ ምህናጽ መድረኽ ይቅጸል። በዚ'ውን ተመሃሮ ናይ ዳዝ ክፍሊ (DaZ -Klasse) ናይ መሰረት መድረኽ ገዲፎም ናብ ስሩዕ ትምህርት ይቕጽሉ፡ ገለ'ውን ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ይቕይሩ ማለት እዩ።.ኣብ ርእሲ እቲ ስሩዕ ትምህርቲ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝኣክል ካብ መማህራን ማእከላት ዳዝ (DaZ -Zentren) ትምህርቲ ይወሃቦም። ኣብቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ ተመሃሮ ብምልኣት ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ይካፈሉ። ኣብ ሰሰሙን ከኣ ብስሩዕ ፍሉይ ናይ ቋንቋ ደገፍ ካብ መማህራኖም ይውሃቦም።

ዞባውያን ናይ ሞያ ስልጠና ማእከላትን (RBZ) ናይ ሞያ ስልጠና ቤት ትምህርቲታትን (BBS)

ኣብ ዞባውያን ናይ ሞያ ስልጠና ማእከላትን (RBZ) ናይ ሞያ ስልጠና ቤት ትምህርቲታትን (BBS) ናይ ሞያ ትምህርቲ ንኽወስዱ ግዴታ ዘለዎም ተመሃሮ፡ ናይ DaZ ተደገፍቲ (ጀርመን ካልኣይ ቋንቁኦም ዝኾነ) ኣብ መስርሕ ምምሃር ቋንቋን ስጉምቲታት ምውህሃድን ምሕብሓብን ደገፍን ይረኽቡ።

ኣብ ትምህርታዊ መስርሕ ናይ ሞያዊ ምውህሃድ DaZ (BiK- DaZ) ንተመሃሮ ክሳብ ናይ A2 ደረጃ (Niveau A2) ዘበጽሕ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ይወሃቦም። እዚ ኸኣ ነቲ ቀጺሎም ዝወስድዎ ምድላው ሞያዊ ስልጠና ሽለስቪግ ሆልሽታይን Ausbildungsvorbereitung Schleswig-Holstein ( AV - SH) ከምኡውን ዝውሰኽ ቋንቋዊ ትምህርትን ምድላው ንቔዳማይ ምውዳእ ሓፈሻዊ ትምህርቲ (Erster allgemeinbildenden Schulabschluss (ESA ) ) ሓገዝ ይኾኖም። እቲ ዕላማ ኸኣ ናብ ናይ ቤት- ትምህርተ- ግብራዊ ስልጠና ወይ ከኣ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ መስርሕ ትምህርቲ ንምስግጋር እዩ።

Ergänzende Informationen

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen