Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

ንህጻንኩም ኣገዳሲ ነገር – ኣብ ናይ መዋእለ ህጻናት (Kita) ምኻድ

Letzte Aktualisierung: 18.09.2017

ኩሎም ህጻናት ኣብ ጀርመን ደቂ ሹዱሽተ ዓመት ኮይኖም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሮም ናብ መዋእለ ህጻናት (ኪንደርጋርተን) ይኸዱ። ኣብዚ ብሓንሳብ ኮይኖም ተሓልዮም ብሓባር ይጻወቱ፣ ይዝምሩ፣ ናይ ኢደ ጥበብ ስራሕ ይሰርሑ፣ ስእሊ ይስእሉ ከምኡ'ውን ብዘይ ተጽዕኖ ይመሃሩ። ደቕኩም ናብ መዋእለ ህጻናት ብምኻድ የዕሩኽ ንኽላለዩ፣ ናይ ጀርመን ቋንቋ ብቐሊሉ ንኽማሃሩ ምቹእ ዝኾነ ቅድመ ባይታ ይፈጥረሎም። ኣብዚ ደቕኹም ብመደብ ምስቶም ካልኦት ህጻናት ንኽዛራረቡ ምትብባዕ ይግበረሎም። ብተወሳኺ'ውን እቲ ናቶም ሓፈሻዊ ምዕባለ ንኽዓቢን ኣብቲ ንመጻኢ ዝማሃርዎ ትምህርቲ ጽቡቕ ምቕርራብ ንኽገብሩ ይሕግዞም። ኣብ መዋእለ ህጻናት ኩሉ ከከም ዝንባሌኡ፣ ክእለቱን፣ ዘለዎ ድልየቱን ተራእዩ ዘድሊ ደገፍ ይወሃቦ። ነቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ስራሓት ዝዋሃብ ነጥቢ የልቦን ከምኡ'ውን ናይ ማህረምቲ መቕጻዕቲ የልቦን።

ንስኹም'ውን ከም ወለዲ ካብዚ ኹነታት ክትከስቡ ትኽእሉ ኢኹም። ምስቶም ኣብኡ ዘለዎ መምሃራን ብብግዚኡ እንዳተዛራረብኩም ናይ ውላድኩም ምዕባለ ክትከታተሉ ትክእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ'ውን እቶም ናይቲ መዋእለ ህጻናት ሓለፍቲ ብዛእባ ሓፈሻዊ ናይ ቆልዓ ኣተዓባብያ ብዝምልከት ይኹን ካልእ ከጋጥመኩም ዝኽእል ጸገማትን ሕቶታትን ክሕግዝኹም ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ መዋእለ ህጻናት ምስ ካልኦት ወለዲን ቆልዑትን ክትላለዩን ምስኦም ድማ ዕርክነት ክትገብሩን ሓሳብ ክትላዋወጡን ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ድልየትኩም ኮይኑ ድማ ኣብቲ መዋእለ ህጻናት ዝግበር ንጥፈታት ክትካፈሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ እዚ ድማ ኣብቲ ኣብኡ ዝግበር በዓል ወይ ናይ ሓባር ንጥፈታት ንኣብነት ነቶም ቆልዑት ዛንታ ናይ ሃገርኩም ምንጋር ወይ ምስቶም ቆልዑት ብሓባር ኮይንካ ምቑር ሕብስቲ ምስራሕ ወዘተ። ኣብቲ ውላድኩም ናብ መዋእለ ህጻናት ዝኸደሉ ሰዓታት ንስኹም ድማ ጊዜኹም ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም ማለት ናይ ጀርመን ቋንቋ ምምሃር ወይ ናይ ቤት ጽሕፈታት ዝሳለጥ ነገር ከተሳልጡ ትኽእሉ።

ኣብቲ እትነብርሉ ቦታ ዘሎ ምምሕዳር ከይድኩም እቲ ኣብ ጥቓኹም ዝርከብ ናይ መዋእለ ህጻናት ኣድራሽኡ ኣብይ ከምዝኾነ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ'ውን እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ድቅኹም ኣብ ናይ መዋእለ ህጻናት ቦታ ንኽዋሃቦም መሰላት ኣለዎም ዶ?

ህጻናት ስድራቤቶም ዑቕባ ዝሓተቱን ስደተኛታትን እንድሕር ኮይኖም ብመሰረት ዓንቀጽ 24 ናይ ማሕበራዊ መጽሓፍ ሕጊ (Sozialgesetzbuch VIII) ኣብ ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ መዋእለ ህጻናት ንኽኸዱ መሰል ኣለዎም፣ እዚ ኽኸውን ዝኽእል ወለዶም ናይ መንበሪ ፍቓድ (Aufenthaltsgestattung) ብመሰረት ናይ ኣሳይለም መስርሕ ዝሕግግ መጽሓፍ ሕጊ (AsylG) ዝወሃብ ወይ ዱልዱንግ (Duldung) ብመሰረት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝሕግግ መጽሓፍ ሕጊ (Aufenthaltsgesetz) ዝወሃብ ከህልዎም ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኹነታት እቶም ወለዲ ናይ ግዳን ስራሕ ዘለዎም ክኾኑ የብሎምን። እቲ ውላዶም ዕድሚኡ ሓደ ዓመት ምስ ኮነ ስጋብ ኣብቲ መደበኛ ቤት ትምህርቲ ዝጅምረሉ ጊዜ ኣብ ናይ መዋእለ ህጻናት ንኽኸይድ መሰል ኣለዎ። እቶም ስጋብ ሰላስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ካልእ ዓይነት መዋእለ ህጻናት ንኽኸዱ ኣማራጭ ኣለዎም። ናብ ሓደ መዓልታዊ ህጻናት ዝናበየሉ (Tagespflegestelle) ብንእስ ዝበለ ጉጅለ (ልክእ ከም ሓደ ስድራ ቤት ዓይነት) ኽኸዱ ይኽእሉ ኢዮም።

ህጻናት ኣብ ናይ መዋእለ ህጻናት ቦታ ንምርካብ ብኸመይ ኣገባብ ምልክታ ከቕርቡ ኣለዎም?

ናይ መዋእለ ህጻናት ቦታ ንምርካብ ኣብቲ እትነብርሉ ቦታ ዘሎ ምምሕዳር ምልክታ ተቕርቡ። መብዝሕትኡ ጊዜ እቲ ናይ መዋእለ ህጻናት ቦታ ቀልጢፉ ስለዝተሓዝ ብዝተኻእለ መጠን ኣቐዲምኩም ምልክታ ከተቕርቡ ኣለኩም። ኣቐዲምኩም ምልክታ ምስእተቕርቡ እቲ ናይቲ እትነብሩሉ ቦታ ዘሎ ምምሕዳር ነቲ ንስኹም ቦታ ንምርካብ እተቕርብዎ ምልክታ ማለት ብዝሒ ናይቶም ህጻናት ኣብ ግምት ብምእታው ምናልባት ተወሳኺ ናይ መዋእለ ህጻናት ንኽስራሕ ውሳኔ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። እንተደሊኹም'ውን ብቐጥታ ኣብቲ ኸባቢኹም ዝርከብ መዋእለ ህጻናት ከይድኩም ምስቶም ዝምልከቶም ኣካል ርክባት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብኡ ኬድኩም ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃበኩም ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ'ውን ኣብቲ መዋእለ ህጻናት ብምኻድ ነቲ ናቶም መደብን ዝግበር መዓልታዊ ንጥፈታትን፣ ናይ ህጻናት ኣማሃህራ ስልትታቶምን ክትዕዘቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ከም ልሙድ ኣብ ኩሉ ናይ መዋእለ ህጻናት ኣብቲ ናይ ፈለማ መዓልትታት ምስ ውላድኩም ኣብኡ ክትጽንሑን ብሓባር ምስኡ ድማ እቲ ናይቲ መዋእለ ህጻናት መዓልታዊ ናብራ ክትላለይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ናብ መዋእለ ህጻናት ንምኻድ ዝኽፍል ዋጋ መን ይኸፍሎ?

እንተድኣ ብጀካ እቲ ናይ ግብረ ሰናይ (ናይ ሶሻል ALG II) ዝወሃበኩም ሓገዝ ካልእ እቶት ዘይብልኩም ኮይኑ ወይ ብመጽሓፍ ሕጊ ናይ ዑቕበኛታት ዝተወሰነ ናይ ዑቕባ ዝሓተቱ ክወስድዎ ዘለዎም ናይ ገንዘብ ብዝሒ ትወስዱ እንድሕር ኮይንኩም ነቲ ናይ ድቅኹም ናብ ናይ መዋእለ ህጻናት ንምኻድ ዝኽፈል ዋጋ ንኽትከፍሉ ኣይትግደዱን ኢኹም። ኣብቲ ንስኹም እትነብርሉ ቦታ ዘሎ ምምሕዳር ብምውካስ ብኽመይ ኣገባብ ምልክታ ኣቕሪብኩም ካብቲ ናይ ምኽፋል ግዴታ ናጻ ክትኮኑሉ እትኽእሉ መንገዲ ክሕብርኹም ይኽእሉ ኢዮም።

እንተድኣ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድሞዝ ኣለኩም ኮይኑ ግን ኣብቲ ዝግበር ናይ መዋእለ ህጻናት ክፍሊት ክትካፈሉ ትግደዱ ኢኹም። ደሞዞም ውሑድ ዝኾነን ብዙሓት ቆሉዑት ዘለውዎም ስድራ ቤት እንተኾይኖም ኣብቲ ናይ መዋእለ ህጻናት ዝኽፈል ዋጋ ቅናሽ ይግበረሎም ኢዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስእትደልዩ ኣብቲ እትነብሩሉ ቦታ ዘሎ ምምሕዳር ብምውካስ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ወለዲ ካብ መን ሓበሬታ ይረኽቡ ?

ናይ ትነብሩሉ ኮማት ንናይ መዋዕለ ህጻናት ቤት፡ ወይ ከኣ ንናይ መዋዕለ ህጻናት ክንክን ዝውዕል ሓገዝ ከመይ ጌርኩም ከም ትረኽቡ ሓበሬታ ይህባ። ጽማቑ ሓበሬታ ናይ ከባቢኹም ቀረባት ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበብ ናይቲ ኮም ወይ ከኣ ኣብ ናይ መላእ ሃገር Kita-Portal ክርከብ ይከኣል።

Kita Portal SH

ብተወሳኺ ናይ መዕበያ ሓላፍነት ዘለዎም (መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ) ንናይ ከባቢኦም ምምሕዳራት ክውከሱ ይኽእሉ።.

መብዛሕትኡ እዋን ወለዲ ካብ "ማእከላት ቤተሰብ" (Familienzentren) ደገፍ ይረኽቡ። ኣብኡ ናብ ስሩዕ ምእላይ መዋዕል ህጻናት ንምስግጋር ዝጠቅም ቀረባት ጉጅለታት ህጻናትን ወለድን ይረኽቡ።

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen