Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

list

ዝምልከቶ መዛርብቲ ናይ ፍልሰት (ኢሚግረሽን)

ኣብ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ብናይ ስደተኛታትን ናይ ፍልሰት ጉዳይ ብዝምልከት ኣብዚ ዝስዕብ ብዙሓት መዛርብቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ። እዚ ሓገዝ እዚ ንኣብነት ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ናይ ፍልስት ሓበሬታ ዝወሃበሉ ወይ ፍሉይ ውሕስነት ኣብ ዘድልየሉ ጉዳይ ክትውከስሉ እትኽእሉ ቤት ጽሕፈት ኢዩ።

ዝምልከቶ መዛርብቲ ናይ ፍልሰት (ኢሚግረሽን)

ኣብ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ንስደተኛታት ናይ ሓበሬታ ምሃብ ሓገዝ ዝገብር ቤት ጽሕፈት

ኣብ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ንስደተኛታት ናይ ሓበሬታ ምሃብ ሓገዝ ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung (MBSH)) ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ብናይ መንበሪ ፍቓድ ብዝምልከት ጉዳይ ሕቶ ምስዝህልወኩም ወይ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ኣብ ናይ ምውህሃድ ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕቶ ሃሊኩም ነዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ክትውከሱ ትኽእሉ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ንኹሎም ስደተኛታት እቲ ናቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዓይነት ብዘየገድስ ንሕግዞም ድሉው ኢዩ።

ብጀካ እዚ ብዞባ ደረጃ ንስደተኛታት ረድኤት ዝህብ ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung des Landes) ብሃገር ደረጃ ነቶም ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት እውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ረድኤት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ።
እዚ ንዓበይቲ ስደተኛታት ረድኤት ዝህብ ቤት ጽሕፈት Migrationsberatung für erwachsene Zuwanderer (MBE) ነቲ ዝምልከቶ ውልቀ ሰብ ኣብ ጀርመን ኣብቲ መዓልታዊ ናብርኡ ዘጋጥሞ ሕቶታት ምስዝህልው ማለት ንኣብነት እንተድኣ ናይ ጀርመን ቋንቋ ትምህርቲ መምሃሪ ዝኽፈል ዋጋ ክፈልጥ ደልዩ፣ ወይ እቲ ናይ ቅድም ዝተምሃሮ ትምህርቲ ዝገልጽ ባጀላ ኣብዚ ተቐባልነቱ ስጋብ ክንደይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ምስዝደሊ፣ ወይ መንበሪ ገዛ ምስዝደሊ፣ ወይ ብናይ ጥዕና፣ ናይ ስድራ-ቤት ወይ ናይ ኣተዓባብያ ቆልዓ ጉዳይ ብዝምልከት ሕቶ ምስዝህልዎ፡ ነዚ ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung für erwachsene Zuwanderer (MBE)) ክውከስ ይኽእል። በዚ ጉዳይ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

Beratung für Erwachsene

ንመንእሰያት ረዲኤት ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Die Jugendmigrationsdienste (JMD)) ዕድሚኦም ስጋብ 27 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት እሞ ናብ ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ዘለዎ ዕድመ ብምሕላፉ ናብ ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ ዘይብሎም ምስዝኾኑ ረድኤት ክገብረሎም ይኽእል ኢዩ። በዛዕባ እቲ ንመንእሰያት ረዲኤት ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Die Jugendmigrationsdienste (JMD)) ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

ናይቲ ንመንእሰያት ረዲኤት ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Die Jugendmigrationsdienste (JMD)) ኣድራሽ ክተፈልጡ እንተደሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ:

Integration und Chancen für Jugendliche - Jugendmigrationsdienste

ኣብዚ ናይ ኩለን እተን ኣብ ሽለስቪግሆልሽታይን አብ ናይ ሓበሬታ ረድኤት ምሃብ ተዋፊረን ዝሰርሓ ቤት ጽሕፈታት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብቲ ንኡስ ዞባታት (Kreisen) ወይ ንኡስ ዞባ ዘይብለን ከተማታት ዝርከባ ናይ ሓበሬታ ረድኤት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብተወሳኺ'ውን ብዞባ ደረጃ ንመላእ ሽለስቪግሆልሽታይን ዘገልግል ድርጅት (ውድብ) ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ኣብ መላእ ሃገር ዘለዋ ዝተፈላለየ ረድኤት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ከተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም:

Schnellsuche über das BAMF-Navi

ብድልየትካ ምምላስ

ፍሉይ ዝኾነ ውሕስነት ኣብ ዘድልየሉ ግዜ መን ኢዩ ክሕብር ወይ ክሕግዝ ዝኽእል?

ፍሉይ ውሕስነት ዘድልዮም ሰባት ክንብል ከለና ንኣብነት ከም ነብሰ-ጾር ዝኾና.፣ ስንክልና ዘለዎም ውልቀ-ሰባት፣ ግዳይ ናይቶም ብሰብ ዝሽቕጡ ደላሎ ዝኾነ ሰባት ከምኡ‘ውን ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት የጠቓልል። እንተኾነ ግን እዚ ዅነት ንኻልኦት ጉጅለታት እውን ዝምልከት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ን‘ኣብነት ሌዝቦ፣ ግብረ-ሰዶማዊ (LSBTTI*) ዘዘውትሩ ስደተኛታት ፍሉይ ዝኾነ ውሕስነት የድልዮም ኢዩ። እዞም ቀጺሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ትካላት ንዝተፈላለዩ ሓገዝ ዘድልዮም ጉጅለታት ዝሕግዙ ኢዮም።

ናይ ደቂ-ኣንስትዮ መዕቖቢ

ናይ ደቂ-ኣንስትዮ መንበሪ ቦታ, ንደቂ-ኣንስትዮ ፍሉይ ሓገዝ ዝወሃበሉ ቤት ጽሕፈታት

ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ (ብሮሹር)

ብዛዕባ መሰላት ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን ዝገልጽ ጽሑፍ (ብሮሹር) ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎ ትኽእሉ:

Nur Mut! Handlungsmöglichkeiten für Frauen in Gewaltbeziehungen (auf tigrinisch) (PDF, 7MB, Datei ist nicht barrierefrei)

ናይ ሓገዝ ቑጽሪ ቴሌፎን „ጐነጽ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ“

እዚ "ጐነጽ ኣንጻር ደቂ-ኣንስትዮ" ብዝብል ዝተዳለወ ናይ ሓገዝ ቑጽሪ ቴሌፎን 08000 116 016 መዓልትን ለይትን ብቴሌፎን ደዊልኩም ሓገዝ ክትረኽብሉ እትኽእሉ ኣገባብ ኢዩ። እቲ ብቴሌፎን ዝግበር ዝርርብ ብሚስጥር ዝተሓዝን ምሉእ ብምሉእ ብእምንት ዝካየድን ኮይኑ ብብቑ‘ዓት ክኢላታት ዝካየድ መስርሕ ኢዩ። እቶም ብቴሌፎን ዝዛረቡ ኪኢላታት ዝተፈላለየ ቋንቋታት ማለት ካብኣቶም ብቋንቋታት ዓረብ፣ እንግሊዝ፣ ፋርሲ፣ ሩስያን፣ ቱርክን ይርከብዎም።

Hilfetelefon - Gewalt gegen Frauen

ድሕነት ቆልዑትን መንእሰያትን

ንቆልዑትን መንእሰያትን ናይ ወሲባዊ ጐነጽ ምስዘጋጥሞም ሓገዝን ምዕዶን ዝረኽብሉ ቦታታት

ናይ ኣድራሻታት ዝርዝር ብዛዕባ ጉዳያት

  • ሓፈሻዊ ድሕነት ቆልዑት ዝምልከቶ መዛርብቲ፣
  • ማእከል ድሕነት ቆልዑት፣
  • ብጾታዊ ኣትዅሮት መሰረት ዝግበር ፍሉይ ቀረባት፣
  • ኣምቡላንስ ናይ ዘሰንብድ ተሞክሮ (ትራውማ) ወይ
  • ቆልዑትን መንእሰያትን ዘጋጠሞም ስቓይ ጥርዓኖም ከቕርብሉ ዝኽእሉ ናይዚ ዞባ ናይ ሕዝቢ ማሕበራዊ ዅነታት ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት

ኣብዚ ዝስዕብ ጽሑፍ (ብሮሹር) ኣብ ገጽ 44 ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

Sichere Orte schaffen. Prävention von sexuellem Kindesmissbrauch

ቅድመ-ዅነት ዝወሃብ ሓገዛት

ቅድመ-ዅነት ዝወሃብ ሓገዛት ንስድራ ቤታት ኣቐዲሙ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝዋሃብ ሓገዝ ኮይኑ ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ካብ ምጅማር ጥንሲ ኣትሒዙ ስጋብ ናይቲ ቆልዓ 3 ዕድሚኡ ዝውድእ ዝዋሃብ ሓገዝ ኢዩ። ብተወሳኺ‘ውን ብፍላይ ነቶም ጸገም ንዘጋጠሞም ስድራ ቤታት ዝዓለመ ናይ ሓገዝ ቐረባት ኣሎ። ብዛዕባ በዚ ጉዳይ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታን ዝምልከቶም መዛርብቲን ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ:

Informationen zu den Frühen Hilfen

Übersicht der Netzwerkkoordinatorinnen und -koordinatoren im Land Schleswig-Holstein und der Landeskoordinierungsstelle (PDF, 135KB, Datei ist barrierefrei)

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማምን ዘሰንብድ ተሞክሮ (ትራውማ) ንዘለዎም

ምስ ዘሰንብድ ተሞክሮ (ትራውማ) ዘሕለፉ ስደተኛታት፣ ብፍላይ ድማ ምስቶም ዘሰንብድ ተሞክሮ ዘሕለፉ ቆልዑት ብኸመይ ኣገባብ ክትዋሳእ ከምእትኽእል ንምፍላጥን ከምኡ‘ውን ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማምን ትራውማ ንዘለዎም ውልቀ-ሰባት ሓገዝ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣበይ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብቡ:

Hilfe für traumatisierte Flüchtlinge

ሌዝቦ (LSBTTI*)- ዝኾኑ ስደተኛታት

Informationen in acht Sprachen für LSBTTI*-Geflüchtete

ኣካለ-ጐደሎ ዝኾነ ስደተናታት

ብዞባ ደረጃ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት

ኣካለ ስንኩላን ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ፈለማ ርክባት ክገብርሉ ዝኽእሉ ቦታ ኣብቲ ኣብ ኖይሙንስተር ዝርከብ ዞባዊ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት (Landesamt für Soziale Dienste) ኮይኑ ኣብ ከተማታት ሃይደ፣ኪይል፣ ሉቤክን ሽሌስቪክን ድማ ኣገልግሎት ዝህብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣለዎ። ኣብዚ ቤት ጽሕፈት እዚ እቲ ስንክልና ዘለዎ ውልቀ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ናይ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ተራእዩ ተቐባልነት ዘለዎም ምዃኑ ዘይምዃኑን ይምርመር።

ተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ

ነቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝኾነ ሰባት ዝምልከቶ ናይ ዞባ ወኪል በዓል መዚ

ኡልሪኽ ሃውሰ ምስ ኣባላት ጕጅለኡ ነቶም ከምዚ ዓይነት ጸገም ንዘጋጠሞም ሰባት ንኽተሓባበርዎም ወይ ድማ ተሓባባሪ ዝኾኖም ክረኽቡሎም ተዳልዮም ኣለዉ።

ነቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝኾነ ሰባት ዝምልከቶ ናይ ዞባ ወኪል በዓል መዚ

ናይ ደገፍ-ማእከልን ናይ ደገፍ ዋና ኣትኩሮትን

ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ንተምሃሮ ፍሉይ ናይ ሰን-ምምህርናዊ ደገፍ ንዘድልዮም ዝድግፉ 108 ናይ ደገፍ ማእከላት ኣለዉ።

Förderschwerpunkte

ኣካለ-ጐደሎ ዝኾነ ስደተናታት

ዞባ ሽለስቢግ-ሆልሽታይን ነንሕድሕድካ ተሓላሊኻ እትነብረሉ ዞባ ንኽኸውን ድልየትና ኢዩ። ኣካለ ስንኩላን ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ሕብረተሰብ ቅቡላት ኮይኖም ክነብርሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ክህሉን እዚ ድማ ከም ልሙድ ዅነት ክውሰድ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።

ዞባዊ (ናይ ላንድራትስኣምት) ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ኣካለ ስንኩላን ዝኾኑ ሰባት ፈለማ ርክባት ክገብርሉ ዝኽእሉ ቦታ ኣብቲ ኣብ ኖይሙንስተር ዝርከብ ዞባዊ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት (Landesamt für Soziale Dienste) ኮይኑ ኣብ ከተማታት ሃይደ፣ኪይል፣ ሉቤክን ሽሌስቪክን ድማ ኣገልግሎት ዝህብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣሎ። ኣብዚ ቤት ጽሕፈት እዚ እቲ ስንክልና ዘለዎ ውልቀ ሰብ ብመሰረት ሕጊ ናይ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ተራእዩ ተቐባልነት ዘለዎም ምዃኑ ዘይምዃኑን ይምርመር።

ናይ ስደተኛታት ዑቕባ መስርሕ ክስራሕ ዝኽእል ብመሰረቱ ኣቐዲምካ ናይ ዑቕባ ምልክታ ምስእተቕርብን ከምኡ‘ውን ስጋብ እቲ ናይ ዑቕባ ምሕታት መስርሕ ዝውዳእ ብመሰረት ናይ ኣሳይለም ሕጊ (AsylG) ዓነቀጽ 55 ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስዝወሃበካን ኢዩ።

እንተድኣ ኣብ ውሽጢ 2 ስጋብ 4 ሰሙን ዘሎ ግዜ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ከተቕርቡ ዘይኪኢልኩም እሞ ብመሰረት ናይ ኣሳይለም ሕጊ (AsylG) ዓንቀጽ 55 ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበኩም እንድሕርዘይተኻኢሉ ነዚ ዅነት ዝሕብር ሕጋዊ መረጋገጺ ሰንድ (መናውሒ ናይቲ ኣብዚ ዓዲ ምስኣተኹም ዝተዋሃብኩም መረጋገጺ ወረቐት፣ ናይ መጽኒሒ ፍቓድ ወይ ከምኡ ተመሳሳሊ ዝኾነ ሰነድ) ከተቕርቡ ኣለኩም።

እቶም ካብተን ውሕስና ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ዝመጹ ሰባት (ብመሰረት ናይ ኣሳይለም ሕጊ (Anlage II AsylG) ዓንቀጽ 29a) ብፍሉይ ኣገባብ መጀመርታ ሓደ ናይ እንታይነት ንምፍላጥ ዝግበር መስርሕ ይካየድ። እዚ ኵነት እዚ ክትግበር ዝከኣል ድማ ኣብ ውሽጢ ሹዱሽተ ወርሒ ካብ ጀርመን ክወጹ ዘይክሉ እንድሕርኮይኖም ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ንሳቶም እንተወሓደ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት እንድሕር ኣለዎም ኮይኑ ጥራሕ ኢዩ።

ምሉእ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ ዞባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

FAQ Landesamt für Soziale Dienste

ነቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝኾነ ሰባት ዝምልከቶ ናይ ዞባ ወኪል በዓል መዚ

ኡልሪኽ ሃውሰ ምስ ኣባላት ጕጅለኡ ነቶም ከምዚ ዓይነት ጸገም ንዘጋጠሞም ሰባት ንኽተሓባበርዎም ወይ ድማ ተሓባባሪ ዝኾኖም ክረኽቡሎም ተዳልዮም ኣለዉ።

ነቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝኾነ ሰባት ዝምልከቶ ናይ ዞባ ወኪል በዓል መዚ

ናይ ደገፍ-ማእከልን ናይ ደገፍ ዋና ኣትኩሮትን

ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ንተምሃሮ ፍሉይ ናይ ሰን-ምምህርናዊ ደገፍ ንዘድልዮም ዝድግፉ 108 ናይ ደገፍ ማእከላት ኣለዉ።

Förderschwerpunkte

ምጕት ወይ ናይ ሕጊ ጸገማት ምስዝሕልው ዝግበር ሓገዝ

ናይ ሓበሬታ ደገፍ

ስድተኛታት በዚ ዝግበር ናይ ሓበሬታ ደገፍ ኣገባብ ንሓደ ጠበቓ ተወኪሶም ናይ ሓበሬታ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ከምዚ ዝመሰለ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ምሃብ ደገፍ ካብ ናይ ቤት ፍርዲ ዋዕላ ወጻኢ ዝኾነ ማለት ኣብ ከም ናይ ሲቪላዊ ሕጊ፣ ናይ ስራሕ ሕጊ፣ ናይ ምምሕዳር ሕጊ፣ ማሕበራዊን ከምኡ‘ውን ናይ ገበናዊ ሕጊ ብዝምልከት ደገፍ ክግበር ይከኣል ኢዩ። እዚ ንኸምዚ ዓይነት ናይ ሕጊ ሓበሬታ ዝግበር ደገፍ ንምርካብ ዝቐርብ ምልክታ ኣብቲ እትቕመጡሉ ቦታ ዘሎ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ከተመልክቱ ትኽእሉ።

ዝኾነ ውልቀ ሰብ ወካሊ ጠበቃ ወይ ሓበሬታ ዝህቦ ክገብር እንድሕር ደልዩ ናይ ግድን 15 ኦይሮ ይኸፍል እሞ እቲ ካልእ ተወሳኺ ዝኽፈል ዋጋ በቲ ዝምልከቶ ናይ ሓበሬታ ሓገዝ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ይኽፈል። እቲ ሓበሬታ ዝደሊ ሰብ ነቲ ዝኽፈል 15 ኦይሮ ክኸፍል ዘይክእል እንድሕር ኮይኑ እቲ ሓበሬታ ዝህብ ሰብ ነቲ ዝኽፈል 15 ኦይሮ ኣስተያየት ጌሩ ክገድፎ ይኽእል ኢዩ። ከም ልሙድ እቶም ሓበሬታ ዝህቡ ሰባት ካብዚ ናይ 15 ኦይሮ ዋጋ ዝበዝሕ ገንዘብ ከኽፍሉ ኣይግብኦምን ኢዩ።

ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ

እንተድኣ ሓደ ምጕት ብቤት ፍርዲ ክውሰን ዘለዎ ኮይኑ ኣብቲ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ክሲ ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ነቲ ክሲ ንምቕራብ ዝግበር ወጻኢታት ገንዘብ (ምናልባት ብኸፊሉ) በቲ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ሓገዝ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ክኽፈል ይኽእል። እዚ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ነቶም ብዙሕ ደሞዝ ዘይብሎም ሰባት ዝወሃብ ኮይኑ ኣብ ናይ ሲቪላዊ-፣ ምምሕዳር-፣ ናይ ስራሕ ; ናይ ፋይናንስ-፣ ከም‘ኡ‘ውን ናይ ማሕበራዊ ቤት ፍርድታት ጉዳዮም ንኸራኣየሎም ዝደልዩ ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ኢዩ።

እዚ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ነቲ ወጻኢታት ገንዘብ ናይቲ ኣንጻርካ ዝምጕት ዘሎ ሰብ ናይ ምትካእ ጉዳይ ብዝምልከት ጽልዋ የብሉን። እዚ ክበሃል ከሎ ድማ ነቲ ናይ ኣንጻርካ ጠበቃ ዝኽፈል ዋጋ እውን የጠቓልል። ስለዘ ኣብቲ ምጕት ዝተሳ‘ዕረ ውላቀ ሰብ ዋላ እኳ እቲ ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ይወሃቦ እምበር ከም ልሙድ ነቲ ወጻኢታት ናይ ኣንጻርካ ዝተማጐተ ክትከፍሎ ኣሎካ። ናይ ምጕት መስርሕ ንምክያድ ዝወሃብ ሓገዝ ኣብቲ ነቲ ጉዳይ ዘካይዶ ዘሎ ቤት ፍርዲ ከተመልክት ትኽእል። እቲ ቤት ፍርዲ ብናይ ቦታ ይኹነ በቲ ጉዳይ ናይቲ ምጕት እቲ ብሕጊ ነቲ ጕዳይ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ኢዩ።

ህዝባዊ ናይ ሕጊ ምኽሪ

ብተወሳኺ‘ውን ብኻልእ መንገዲ ብነጻ ወይ ከከም ደሞዝካ ተራ‘እዩ ዝኽፈል ዋጋ ጌርካ ዝወሃብ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ደገፍ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ህዝባዊ ዝኾነ ናይ ሕጊ ሓበሬታ ደገፍ ቐረባት ኣሎ። ዝርዝር ናይ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ንምፍላጥ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ክርከብ ይከኣል።


ከምዚ ዓይነት ዝርዝር ሓበሬታ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ወይ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ መግለጺ ጽሑፍ (ብሮዡር) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Deutsche Texte

Letzte Aktualisierung: 24.04.2015

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen