Navigation und Service

Thema : Ankommen in Schleswig-Holstein

ብድልየትካ ምምላስ

ናብ መበቆል ሃገርካ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ምምላስ ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ብኽብረት ወይ እንተተኻኢሉ ብድልየት ማለት ብዘይ መንግስቲ ጽቕጢ ክትግበር ይከኣል ኢዩ። .

Letzte Aktualisierung: 28.03.2017

እቲ ንኽወጽእ ግዴታ ዘለዎ ውልቀ ሰብ እንድሕር ትእዛዝ ዘየኽቢሩ ብግዴታ ከምዝወጽእ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነቶም ንኽወጹ ግዴታ ዘለዎም ወይ ንኽወጹ ድልየት ዘለዎም ሰባት ሓበሬታን ናይ ምዕዶ ቐረባትን ከምኡ‘ውን ዝተፈላለየ ናይ ምምላስ መደባት ተዳልይሎም ኣሎ። እቲ ናይዚ መደብ ዋና ዕላማ ነቶ ኣብ ከምዚ ዅነታት ዝርከቡ ሰባት ኣብዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ንምሕጋዝ ኢዩ፦

  • ሰፊሕ ዝኾነ ሓበሬታ ብምሃብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ናይ ምግባር ብቕዓት ክህልዎም ምግባር፣
  • ርትዓውነት ዘለዎ ናይ መጻኢ ህይወቱም መደብ ንኸማዕብሉ ምግባር፣ ከምኡ‘ውን
  • እቲ ንዕዖም ኣድላዪ ዝኾነ ሓገዝ ንኽረኽቡ ምግባር፣ ንኣብነት ናይ መጓ‘ዓዝያ ዋጋ፣ መበገሲ ዝኸውን ሓገዝ ወይ ኣብ ዳግመ ምውህሃድ ዘድሊ ደገፍ ንኽግበረሎም ምግባር የጠቓልል።

በቲ ንስደተኛታት ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት - ቡንደስ ኣምት (BAMF) ዝወሃብ ሓበሬታ

እቲ ንስደተኛታት ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስኣምት ብድልየትካ ናይ ምምላስ ዘሎ ዅነታት ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ይህብ፣ ከምኡ‘ውን እቲ ነቶም ብድልየቶም ንዝምለሱ ዝግበር ናይ ሓገዝ መደባትን ሓበሬታትን ይገብር። ብተወሳኺ‘ውን ነቶም ኣብ ከምዚ ዅነታት ዝርከበ ሓበሬታ ንምሃብ ህጹጽ መስመር ቴሌፎን ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝን ኣዳልዩ ኣሎ።

Online Portal on voluntary return

ናይ ዝምለሱ ህጹጽ መሰመር ቴሌፎን 0911/ 943-0

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ:

BAMF Informationen zur Rückkehrberatung

Hinweis zur Verwendung von Cookies

Cookies erleichtern die Bereitstellung unserer Dienste. Mit der Nutzung unserer Dienste erklären Sie sich damit einverstanden, dass wir Cookies verwenden. Weitere Informationen zum Datenschutz erhalten Sie über den folgenden Link:

Datenschutz

Auswahl bestätigen