እቲ ንኽወጽእ ግዴታ ዘለዎ ውልቀ ሰብ እንድሕር ትእዛዝ ዘየኽቢሩ ብግዴታ ከምዝወጽእ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነቶም ንኽወጹ ግዴታ ዘለዎም ወይ ንኽወጹ ድልየት ዘለዎም ሰባት ሓበሬታን ናይ ምዕዶ ቐረባትን ከምኡ‘ውን ዝተፈላለየ ናይ ምምላስ መደባት ተዳልይሎም ኣሎ። እቲ ናይዚ መደብ ዋና ዕላማ ነቶ ኣብ ከምዚ ዅነታት ዝርከቡ ሰባት ኣብዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ንምሕጋዝ ኢዩ፦
- ሰፊሕ ዝኾነ ሓበሬታ ብምሃብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ናይ ምግባር ብቕዓት ክህልዎም ምግባር፣
- ርትዓውነት ዘለዎ ናይ መጻኢ ህይወቱም መደብ ንኸማዕብሉ ምግባር፣ ከምኡ‘ውን
- እቲ ንዕዖም ኣድላዪ ዝኾነ ሓገዝ ንኽረኽቡ ምግባር፣ ንኣብነት ናይ መጓ‘ዓዝያ ዋጋ፣ መበገሲ ዝኸውን ሓገዝ ወይ ኣብ ዳግመ ምውህሃድ ዘድሊ ደገፍ ንኽግበረሎም ምግባር የጠቓልል።
በቲ ንስደተኛታት ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት - ቡንደስ ኣምት (BAMF) ዝወሃብ ሓበሬታ
እቲ ንስደተኛታት ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስኣምት ብድልየትካ ናይ ምምላስ ዘሎ ዅነታት ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ይህብ፣ ከምኡ‘ውን እቲ ነቶም ብድልየቶም ንዝምለሱ ዝግበር ናይ ሓገዝ መደባትን ሓበሬታትን ይገብር። ብተወሳኺ‘ውን ነቶም ኣብ ከምዚ ዅነታት ዝርከበ ሓበሬታ ንምሃብ ህጹጽ መስመር ቴሌፎን ብቋንቋ ጀርመንን እንግሊዝን ኣዳልዩ ኣሎ።
Online Portal on voluntary return
ናይ ዝምለሱ ህጹጽ መሰመር ቴሌፎን 0911/ 943-0
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ:
BAMF Informationen zur Rückkehrberatung